ስምምዕ ንዘላቒ ምቍራጽ ተጻብኦ ፕሪቶሪያ ዝግምግም ካልኣይን ስትራተጃዊን ርክብ ብመንጎኝነት ኣፍሪቃዊ ሕብረት ትማሊ ሰሉስ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተኻዪዱ።
ኣብቲ ብኮሚሽነር ኣፍሪቃዊ ሕብረት ሙሳ ፋኪ ማሃማት ዝተመርሐ ርክብ፡ እቶም ቀንዲ ተዛተይቲ ተወከልቲ ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያን ፈረምቲ እቲ ስምምዕ ዝዀኑ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን’ዮም ነይሮም።
ብመሰረት ጋዜጣዊ መግለጺ ኣፍሪቃዊ ሕብረት፡ ኣብቲ ንጡፍ ተሳትፎ ክልተ ወገናት ዝተራእዮ ዝበሎ ዘተ፡ በይነ-መንግስታዊ ውድብ ኢጋድ፣ ተወከልቲ መንግስቲ ኣመሪካ፣ ኤውሮጳዊ ሕብረት፣ ካብ ኬንያ፡ ናይጀሪያን ደቡብ ኣፍሪቃን ዝተዋጻኡ ክኢልታትን ከም ተዓዘብቲ ተሳቲፎም። ኣብቲ ካልኣይ ስትራተጃዊ ርክብ ቀዳምነታት ክወሃቦም ብኽልተ ወገናት ኣብ ስምምዕ ዝተበጽሑ ዛዕባታት ምምላስ ውሽጣውያን ተመዛበልቲ፡ ምፍታሕ ዕጥቂን ምጥያስ ናብ ሲቪላዊ ህይወትን ከም ዝዀኑ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣፍሪቃዊ ሕብረት ይጠቅስ።
ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ጉዳያት ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝዀነ ኣምባሳድር ማይክ ሃመር’ውን ከም ተዓዛቢ ኣብቲ ርክብ ምስታፉ ተፈሊጡ ኣሎ።
ቅጥዒ