187.3 ኪሎሜተ ዝሸፈነ ሎሚ ሰሉስ ኣብ ዝተኻየደ መበል 10ይ መድረኽ ዙር ፈረንሳይ፡ ኤርትራዊ ቢንያም ግርማይ ንበልጅማዊ ያስፐር ፊሊፕሰን ስዒቡ ካልኣይ ኣትዩ። ሳልሳይ ዝኣተወ ጀርመናዊ ፓስካል ኣከርማን'ዩ።
ናብዚ መድረኽ ናይ ውህሉል ነጥቢ ቀጠልያ ማልያ ለቢሱ ዝኣተወ ቢንያም፡ ሕጂ’ውን ማልያኡ ዓቂቡ ብ268 ነጥቢ ነቲ ዙር ይመርሖ ኣሎ። ብነጥቢ ንቢንያም ዝስዕብ ዘሎ ፊሊፕሰን ብ193 ነጥቢ ይስዕብ ኣሎ።
ኣብ መንጎ ኣብ ዝነበረት ቅጽበታዊት ውድድር፡ ቢንያም 13 ነጥቢ ወሲዱ’ዩ።
ዛጊት ተኻዪዱ ኣብ ዘሎ መድረኻት ቢንያም ክልተ ግዜ ቀዳማይ ክልተ ግዜ ድማ ካልኣይ ብምውጻእ ኣርባዕተ ግዜ ናብ መደረኽ ደዪቡ ኣሎ።
ቢንያም ብዛዕባ ናይ ሎሚ ውጽኢት ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መብርሂ፡ በቲ ሎሚ ዝረኸቦ ዓወት ዕጉብ ምዃኑ ብምግላጽ፡ ሎሚ ካልኣይ ብምውጻኡ ነቲ ኣብ ውህሉል ነጥቢ ዝስዕቦ ዘሎ ፊሊፕሰን ገና ብጽቡቕ ነጥቢ መሪሑዎ ከም ዘሎ ገሊጹ። “እዚ ዓመት ብዙሕ’የ ጽዒረ፡ ኣብ ጽቡቕ ቅሞና ከኣ ኣለኹ፡ ብውጽኢተይ ድማ ዕጉብ’የ” ኢሉ ቢንያም።
ድሕሪ 10 መድረኽ፡ ነቲ ውድድር ብግዜ፡ ነጥቢ፡ ዓቐብን መንእሰያት ዝመርሑ ዘለዉ ተቐዳደምቲ ኣብ ኣሰራርዓ ዝስዓበ ለውጢ የሎን።
ቅጥዒ