ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቢንያም ግርማይ ንሓፈሻዊ ስርርዕ ዙር ፈረንሳይ መሪሑ፡ ቀጠልያ ማልያ ተረኪቡ


ቢንያም ደጋጊሙ ንዝቐደመ ክብረ-ወሰናቱ የመሓይሽ
ቢንያም ደጋጊሙ ንዝቐደመ ክብረ-ወሰናቱ የመሓይሽ

ሎሚ ኣብ ዝተቓንዐ ሓሙሻይ መድረኽ ዙር ፈረንሳይ፡ ኤርትራዊ ተቐዳዳሚ ጋንታ ኢንተርማሸ ቢንያም ግርማይ ታሽዓይ ኮይኑ ውድድሩ ዛዚሙ ኣሎ። እንተዀነ እቲ ዕዉት ሳልሳይ መድረኽ ዝኾነ ቢንያም ብውህሉል ብ102 ነጥቢ ንዙር ፈረንሳይ ይመርሖ ኣሎ። ቢንያም ነቲ ሓፈሻዊ ስርርዕ ስለ ዝመርሕ ቀጠልያ ማልያ ለቢሱ ኣሎ።

ኣብ ናይ ሎሚ ሓሙሻይ መድረኽ ዝተዓወተ ማርክ ካቫንዲሽ ሎሚ ንመበል 35 ግዜ ብምዕዋቱ ኣብ መዝገብ ውድድር ዙር ፈረንሳይ ሓድሽ ክብረ-ወሰን ሰይሩ ኣሎ። ክሳብ ናይ ሎሚ ሓሙሽተ መድረኻት ንናይ መድረኽ ስሎቫንያዊ ታደይ ፓጋቻር መሪሑ ብጫል ማልያ ሒዙ ኣሎ። ኣብዚ ውድድር ኖርወጃዊ ዮናስ ኣብርሃምሰን ናይ ዓቐብ ማልያ ክለብስ እንከሎ፡ ነዚ ውድድር ኢማራተስ ብጋንታ ትመርሖ ኣላ።

ቢንያም ቅድሚ ትማሊ ሰኑይ ኣብ ዝነበረ ሳልሳይ መድረኽ ዙር ፈረንሳይ ቀዳማይ ብምውጻእ፡ ነቲ ዓቢ መድረኽ ዝተዓወተ ናይ ፈለማ ጸሊም ኣፍሪቃዊ ብምዃን ታሪኽ ሰሪሑ’ዩ። ቢንያም ኣቐዲሙ’ውን ኣብ በበይኑ ውድድራት ክብረ-ወሰን ምምዝጋቡ ዝዝከር ኰይኑ፡ ነቲ ብእኡ ተታሒዙ ዝጸንሐ ታሪኽ’ዩ ደጋጊሙ ባዕሉ ዝመሓይሾ ዘሎ።

ብተመሳሳሊ ኤርትራዊ ዳኒኤል ተኽለሃይማኖት ኣብ ዙር ፈረንሳይ 2015 ኣንበሳ ኣቐብ ኰይኑ ንሓያሎ መድረኻት ነቲ ፍሉይ ክብሪ ዝበቕዐ ፈላሚ ጸሊም ኣፍሪቃዊ ተቐዳዳሚ ምንባሩ ይዝከር።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG