ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሚኒስተራት ወጻኢ ጉዳያት ኢትዮጵያን ሶማልን ቀዳማይ ርክብ ኣካዪዶም፡ ንኻልኣይ ዙር ተቛጺሮም


ኣብ እዋኑ ካብ ሶማላውያን ከቢድ ተቓውሞ ዘኸተለ ስምምዕ መዘከር ኢትዮጵያን ርእሰ-ምምሕዳር ሶማሊላንድስ
ኣብ እዋኑ ካብ ሶማላውያን ከቢድ ተቓውሞ ዘኸተለ ስምምዕ መዘከር ኢትዮጵያን ርእሰ-ምምሕዳር ሶማሊላንድስ

ዝተሓደሰ--ብመንጎኝነት ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ቱርኪየ ሃካን ፊዳን ኣብ ኣንካራ ትማሊ ሰኑይ ዝተራኸቡ ሚኒስተራት ወጻኢ ጉዳያት ኢትዮጵያ ታየ ኣስቀስላሴን ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ሶማል ኣሕመድ ማዓሊም ፊቂን ብዘይ ስምምዕ ምፍልላዮም ነቲ ጉዳይ ብቐረባ ዝከታተሉ ዘለዉ ፈነወ ኣገልግሎት ዜና ድምጺ ኣመሪካ ኣመልኪቶም።

ነቲ ዘይቀጥታዊ ርክብ ዝሸምገለ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ቱርኪየ ግን እቲ ርክብ “ተስፉውን ንቕድሚት ዝጥምትን” ክብል ኣብ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ።

እቶም ሚኒስተራት ኣብ ሓደ መድረኽ ተራኺቦም እንተ ነይሮም እቲ መግለጺ ኣየነጸረን።

እንተዀነ፡ ክልተ ወገናት “ንቕድሚት ዝደፍአን ዘላቒ ሰላም ዘውሕስን” ዝተሰምየ መንገዲ ከናድዩ ዘለዎም ድሉነት ምግላጾም እቲ ብሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ቱርኪ ዝወጽአ መግለጺ ይሕብር።

ክልተ ወገናት ንኻልእ ዙር ርክብ ን2 መስከረም ኣብ ኣንካራ ቱርኪየ ተቛጺሮም ምህላዎም ተፈሊጡ ኣሎ።

እዚ ፈላሚ ዘተ ክልተ ወገናት፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ወርሒ ግንቦት ምስ ፕረዚደንት ረጂብ ጠይብ ኤርዶዋን ናይ ቱርኪየ ድሕሪ ዝገበሮ ርክብን ናይ ምሽምጋል ጠለብን ዝሰዓበ ምዃኑ ንዲፕሎስማሳዊ ምንጭታት ብምጥቅስ ሮይተርስ ይሕብር። ቱርኪየ ምስ ሶማል ጥቡቕ ዝምድና ከም ዘለዋን በበይኑ ስምምዓት ከም ዝፈረመት ይፍለጥ።

ሶማል፡ ኢትዮጵያ ነቲ ምስ ርእሰ-ምምሕዳር ሶማሊላንድ ዝፈረመቶ ስምምዕ መዘከር ከይሰረዘት ንዝዀነ ዘተ ድሉውነት ከም ዘይብላ ደጋጊማ ክትጠቅስ ጸኒሓ’ያ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG