ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፍሉይ ልኡኽ ንኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ይነቅፍ፣ ወኪል ኤርትራ ይነጽግ


ሎሚ 20 ሰነ ኣብ ጀኔቫ ኣብ ዝተቓንዐ ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት፡ ንጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ዝምልከት ጸብጻብ ሰሚዑ። ኣብቲ ፍሉይ ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ መሓመድ ባቢከር ኣብ ዘቕረቦ ራብዓይ ጸብጻብ፡ ብመንግስቲ ኤርትራ ይፍጸም ኣሎ ዝበሎ ማእሰርቲ ብዘይ ፍርዲ፣ ገደብ-ኣልቦ ሃገራዊ ኣገልግሎት፣ ግዱድ ጉልበታዊ ስራሕን ምዕፋን ናጻ መድረኻትን ኣብ ኣዝዩ ኣተሓሳሳቢ ኩነታት ምህላዉ ዘርዚሩ።

እቲ ፍሉይ ልኡኽ፡ “ሰብ-መዚ ኤርትራ ነቲ ዝግበር ተደጋጋሚ ሰብኣዊ ጥሕሰታት ንምዕራይ ዝዀነ ተበግሶ ስለ ዘይወስዱ እቲ ሰንሰለታዊ ግፍዒ ይቕጽል ኣሎ፡” ኢሉ። እቲ ሱዳናዊ ፍሉይ ልኡኽ ኣብ መግለጺኡ፡ መንግስቲ ኤርትራ ካብ ሃገሩ ወጻኢ ኣብ ደገ ንዝነጥፉ ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ጋዜጠኛታትን ንምዕፋን ዝገብሮ ዝበሎ ስግረ-ዶባዊ መግሃስታት’ውን ጠቒሱ።

ድሕሪ መግለጺ እቲ ፍሉይ ልኡኽ ምላሽ ዝሃበ ጥቕላሊ ቆንስል ኤርትራ ኣብ ጀነቫ ኣቶ ሃብቶም ዘርኣይ ብወገኑ፡ መንግስቲ ኤርትራ ነቲ መርመሪ ኮሚሽን ብመትከል ከም ዝቃወሞን ነቲ ዝቐረበ ጸብጻብ ድማ ብምሉኡ ከም ዝነጽጎን ሓቢሩ። ኣቶ ሃብቶም ኣብ መግለጺኡ፡ ኣዋጅ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብ ኤርትራ ሎሚ ዓመት መበል 30 ዓመታት ዝጽንበለሉ ከም ምዃኑ መጠን፡ በቲ ኣዋጅ ኣብታ ሃገር ተራእዩ ዝበሎ ልምዓት ብምጥቃስ፡ “ካልኦት ሃገራት ነቲ መደብ ክነቕፋ ሞራላዊ ሓላፍነት የብለንን፡” ኢሉ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG