ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ናትናኤል ተስፋጽዮን ሻምፕዮን ብሽክለታ ኤርትራ 2024 ኰይኑ


 ናትናኤል ናብ ዋሺንግተን ዲሲ ኣመሪካ ንምልላይ ምስ ሓዳስ ጋንታኡ ኣብ ዝመጽኣሉ እዋን ዝተላዕለ
ናትናኤል ናብ ዋሺንግተን ዲሲ ኣመሪካ ንምልላይ ምስ ሓዳስ ጋንታኡ ኣብ ዝመጽኣሉ እዋን ዝተላዕለ

ኣብ ቅድሚ ዓሰርተታት ኣሽሓት ደገፍቲ፡ ሎሚ ቀዳም ኣብ ጎደናታት ኣስመራ ኣብ ዝተቓንዐ ን 173.4 ኪሎ-ሜተር ዝሽፍን ሻምፕዮን ብሽክለታ ኤርትራ ብዓወት ተሰላፊ ኣመሪካዊት ክለብ ሊድል-ትረክ ናትናኤል ተስፋጽዮን ተዛዚሙ። ኣብዚ ናይ ሎሚ ውድድር ሻምፕዮን ምስ ናትናኤል ንንውሕ ዝበለ ጉጅለ ፈልዩ ዝጓዓዝ ዝነበረ ኣኽሊሉ ኣረፋይነ ካልኣይ ኰይኑ ውድድሩ ዛዚሙ። ኣኽሊሉ ኣብ ናይ ትሕቲ ዕድመ 23’ውን ኣብዚ ውድድር ወርቂ መዳልያ ተሸላሚ ኰይኑ ኣሎ።

ኣብ ናይ ሎሚ ሰንበት ውድድር መትከል ኢዮብ ሳልሳይ፣ መዋእል ግርማይ (ንእሽቶ ሓዉ ንቢንያም ግርማይ) ራብዓይ፣ መርሃዊ ቅዱስ ሓሙሻይ፣ ቢንያም ግርማይ ሻዱሻይ፤ ሄኖክ ምሉእብርሃን ሸውዓይ ከምኡ’ውን ኣማኑኤል ገብረዝጋብሄር ሻሙናይ ተርታ ብምሓዝ ውድድሮ ዛዚሞም።

ሓሙስ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ውልቂ-ግዜ (ክሮኖሚተር) ተቐዳዳሚ ጋንታ ሊድል-ትረክ ኣማኑኤል ገብረዝጋብሄረ ቀዳማይ ምውጻኡ ዝዝከር’ዩ። ብድምሩ እምበኣር ኣመሪካዊት ጋንታ ሊድል-ትረክ ብውልቂን ናይ ጽርግርያን ውድድር ተሰለፍታ ሻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ 2024 ኰይኖም ኣለዉ።

ኣብ ናይ ደቀንስትዮ ኣብ ክልቲኡ ናይ ኤሊትን ትሕቲ 23 ኣብዚ ውድድር ዝተዓወታ ቀዳማይቲ ቅሳነት ወልደሚክኤል፣ ካልኣይቲ ኣድያም ዳዊት፣ ሳልሰይቲ ድማ ሮማን ጉዕሽ’የን።

ኣብ ናይ ትሕቲ 23 ደቂ-ተባዕትዮ ድማ ኣኽሊሉ ኣረፋይነት፣ መዋእል ግርማይን ያፌት ሙሉጌታን ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሳልሳይ ተሰሪዖም ካብ ወርቂ ክሳብ ነሓስ መዳልያ ተማቒሎም ኣለዉ።

ኣብዚ ውድድር ኣብ በበይኑ ምድባት 309 ተቐዳደምቲ’ዮም ተሳቲፎም። ኣብ ኤርትራ ኣዝዩ ሓያል ሰዓቢ ዘለዎ ቅድድም ብሽክለታ፡ ሓደ ካብቲ ነዊሕ ትጽቢት ዝግበረሉ ሃገራዊ ፍጻመታት ኰይኑ፡ ብመንግስታዊ ቴለቪዥንን ረድዮን’ውን ብቐጥታ ዝፍኖ’ዩ።

ናይ ዝሓለፈ ዓመተ ተዓዋቲ እዚ ውድድር መንእሰይ ዓወት ኣማን ክኸውን እንከሎ፣ ናይ ቅድሚኡ ዓመት ድማ መርሃዊ ቅዱስ’ዩ ነይሩ።

ኣብ ሻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ 2024 ምስ ሓያሎ ዓበይቲ ክለባት ዝስለፉ ተቐዳደምቲ ዝተረኽቡሉን ነዚ ውድድር’ውን ዝዓብለሉን’ዩ ነይሩ። ካብ መንጎ’ቶም ተጠቀስቲ ኣስማት ቢንያም ግርማይ፡ ኣብዚ ውድድር ተሳቲፉ ንተወሳኺ ልምምድ ኣብ ኤርትራ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ናብ ዙር ፈረንሳይ (ቱር ዲ ፍራንስ)’ዩ ከቕንዕ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG