ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሶማል ዘይቀዋሚት ኣባል ባይቶ ጸጥታ ኰይና ተመሪጻ


ሓፈሻዊ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ትማሊ ሓሙስ ኣብ ኒው-ዮርክ ኣብ ዝገበሮ ምርጫ፡ ንሶማል ንናይ ክልተ ዓመት ግዜያዊ ኣባል ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ገይሩ መሪጹዋ። ሶማል ብሞዛምቢክ ተታሒዙ ዝጸንሐ ናይ ግዜያውነውት መንበር’ያ ተረኪባ ዘላ። ሓደስት ኣባልት ሃገራት ካብ ጥሪ 2025 ኣትሒዘን’የን ኣብዚ ደምበ ክጽንበራ።

“ምስ ከባብያዊ ውድባት፡ ኣፍሪቃዊ ሕብረትን ካልኦት መሻርኽቲን ብቐንዱ ድማ ምስ ባይቶ ጸጥታ ዘሎንና ጽምዶ ከነሕይል ኢና። ሶማል፡ ምትሕብባርን ሽርክነት በበይኑ ጽላታት ቀንዲ መፍትሒ ንዝተሓላለኸ ዓለማዊ ሽግራት ምዃኑ’ያ እትእትም፡” ኢሉ ኣብቲ ኣጋጣሚ ዝተረኸበ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት እታ ሃገር ኣሕመድ ሙዓሊም።

ኣብዚ ትማሊ ዝተኻየደ ናይ ሓፈሻዊ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት፡ ከካብ ዞባአን ንግዜያውነት ተሓጽየን ዘለዋ ሃገራት ዴንማርክ፡ ግሪኽ፡ ፓኪስታን፡ ፓናማን ሶማልን ምዃነን ዜና ሮይተርስ ይጠቅስ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG