ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሪያል ማድሪድ ሻምፕዮን ኤውሮጳ ኰይና


ሎሚ ቀዳም 1 ሰነ ኣብ ናይ ሎንዶን ስታድዮም ወምብለይ ኣብ ዝተኻየደ ዛዛሚ ግጥም እቲ ዝለዓለ ክብሪ ዝወሃቦ ኤውሮጳዊ ውድድር ሻምፕዮንሺፕ፡ ሪያል ማድሪድ ንጀርመናዊት ቦሪስያ ኮርትመንድ 2 ብ 0 ብስዓር ዋንጫ ኣልዒላ።

ቅድሚ ዕረፍት ዶርትመንድ ተደጋጋሚ ፈተነ እኳ እንተ ገበሩ ክቕንዖም ግን ኣይከኣለን። ድሕሪ ዕረፍቲ ተረጋጊኦም ንጸወታ ዝተቖጻጸሩ ማድሪዳውያን ድማ ኣብ መበል 73 ደቒቕ ካብ ኵርናዕ ዝተረኽበት ኵዕሶ ብመንገዲ ዳኒ ካርቫሃል ከመዝግቡ እንከለዉ፡ ኣይጸንሐን ኣብ መበል 84 ደቒቕ ድማ ብራዚላዊ ቨኒሰስ ጁኒየር ካብ ጁድ በሊንግሃም ንዝረኸባ ኵዕሶ ምስ ሰኪዐት ጸንቢሩ፡ ዓወት ኣውሒሱ።

ማድሪድ ኣብ ዛዛሚ ግጥም ክሰዓሩ ቅድሚ 50 ዓመት’ዩ ነይሩ። ምስ’ዚ ናይ ሎሚ ሓዊሱ ድማ ሪያል ማድሪድ ነዛ ፈለማ ብኤውሮፓ ካፕ እትጽዋዕ ዝነበረት፡ ዝለዓለ ክብሪ ዝወሃበ ዋንጫ ሻምፕዮንሺፕ ንመበል 15 ግዜ ወሲዳታ ኣላ።

ኣሰልጣኒ ማድሪድ ኢጣልያዊ ካርሎ ኣንቸሎቲ’ውን ብተመሳሳሊ ንዋንጫ ሻምፕዮንሺፕ ንሓሙሽተ ግዜ ብምዕዋት ፍሉይ ክብሪ ሒዙ ኣሎ። ኣንቸሎቲ ኣቐዲሙ ተጻዋታይ ኣብ ዝነበረሉ እዋን’ውን ምስ ከለቡ ክልተ ግዜ ነዛ ክብርቲ ዋንጫ ኣልዒሉ’ዩ። ድሕሪኡ ዘለዉ ኣሰልጠንቲ፡ ነፍሲ-ወከፎም ሰለስተ ግዜ ዝተዓወቱ’ዮም።

ጀርመናዊ ተጻዋታይ ክለብ ማድሪድ ቶኒ ክሩስ በዚ ናይ ሎሚ ዓወት ምስታ ክለብ ዝጸንሖ ናይ ጸወታ ግዜ ዛዚሙ ኣሎ። እንተዀነ ንሃገራዊት ጋንታኡ ንመጨረሽታ ግዜ ኣብ ቀረባ ግዜ ኣብ ዋንጫ ኤውሮጳ ክጻወት ምዃኑ ተፈሊጡ ኣሎ።

ዓመተ ስፖርት ክለባት ኣብ ዝዛመሉ፡ ሕጂ ሓንቲ ተሪፋ ዘላ ናይዚ ዓመተ ስፖርት ዝበለጸ ተጻዋታይ ባላን ዳ’ኦር መን ይወስዳ ዝብል’ዩ። ወዲ 20 ዓመት እንግሊዛዊ ጁደ በሊንግሃም ካብቶም ቀዳሞት ዝጥቀሱ ክዀኑ እንከለዉ፡ ሎሚ መዕወቲ ሸቶ ዘመዝገበ ብራዚላዊ ቨኒሰስ ጁኒየር’ውን ምስ’ዚ ናይ ሎሚ ሓዊሱ ተወዳድርነቱ ነዚ ዝለዓለ ሽልማት ኣደልዲሉ ኣሎ። ኣብ ዝመጽእ ዓመተ-ስፖርት ነዞም ክልተ ከዋኽብቲ ዝጽንበሮም ፈርነሳዊ ካሊያን እማፓፐ’ውን ኣይዘንጋዕናዮን።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG