ዋሽንግተን ዲሲ —
ካብ ከባቢትታ ኮረምን ኦፍላን ዝተመዛበሉን 35,000 ምዃኖም ዝተገለፁን ሰባት ናብ ዞባታት ሰሜን ወሎን ብሄረሰብ ዋግ ኽምራን ድሕሪ ምምዝባሎም ልዕሊ ሓደ ወርሒ እንተገበሩ እውን ብዘይ ዝኾነ ይኹን ረድኤት ምግቢ ከም ዝተቐመጡ ገሊፆም። ካብ ዕጡቓት ሃዲምና ናብ ከተማታት ሰቖጣን ቆቦን ከይድና ዝብሉ ተመዛበልቲ እኹል መፅለሊ እውን ከምዘይብሎም ገሊፆም።
ብክልል ኣምሓራ ዝተመደበ ምምሕዳር ከተማ ኮረም ኣብ ልዕሊ ተመዛበልቲ ይወርድ ኣሎ ዝበሎ ሰብኣዊ ጉድኣት ንዝምልከቶም መንግስታዊ ኣካላት ሕቶ እንተቐረበ እውን ምላሽ ከምዘይረኸበ ገሊፁ። መንግስታት ፌደራልን ክልል ምሓራን እውን ትኹረት ኣይሃበሉን ክብል ቅሬትኦም ገሊፆም። ካብቲ ክልልንን ፌደራልን ምብርሂ ንምርካብ ዝተገብረ ፃዕሪ ኣይተዓወተን ይብል ፀብፃብ መስፍን ኣራጌ ካብ ደሴ።
ቅጥዒ