ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረዚደንት ባይደንን ሩቶንን ንተልእኾ ሀይቲ ንምድንፋዕ ይሰማምዑ


ፕረዚንደት ሩቶን ባይደንን
ፕረዚንደት ሩቶን ባይደንን

ፕረዚደንት ጆ ባይደንን ፕረዚደንት ዊልያም ሩቶን ብሓባር ኣብ ዝሃቡዎ ጋዜጣዊ መግለፂ፡ ኬንያ ኣብ ሀይቲ ትገብሮ ንዘላ ፃዕሪን ኣብ ናይ ዕዳ እፎይታን ከም ዝድግፉዋ ባይደን መብጽዓ ኣትዮም።

ኣብዚ ናይ ሰለስተ ማዕልታት መንግስታዊ ምብፃሕ ፕረዚደንት ኬኒያ ኣብ ኣመሪካ ጆ ባይደን፡ ኬኒያ ኣብ ሀይቲ ንዘሎ ሸፋቱ ንምጥፋእ ዝሕግዙ ኣብ ቀረባ ንእትልኾም ሓይልታት ፖሊስ ዓሚቕ ሞስኦም ገሊፆምሎም።

ኬንያ ናብ ሀይቲ ኣባላት ዓቃብ-ሰላም ፖሊስ ንምልኣኽ መብጽዓ ዝኣተወት ቀዳመይቲ ሃገር’ያ። እንተኾነ እቲ ተበግሶ ብቤት ፍርዲ እታ ሃገር ተቓውሞ ስለ ዝገጠሞ ኣብቲ ዝተሓስቦን ከምቲ ዝተወጠኖን ኣይከደን።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG