ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ብሰንኪ ግርጫ ዝተመዛበሉ ዜጋታት ኣስታት 96 ሚልዮን በጺሑ


ማእከል ተመዛበልቲ ዝኾነ ጎማ ናይ ኮንጎ
ማእከል ተመዛበልቲ ዝኾነ ጎማ ናይ ኮንጎ

ብመሰረት ኣብ ቀረብ ዝወፀ ፀብፃብ 75.9 ሚሊዮን ሰባት ብሰንኪ ግጭት ውሽጣዊ ተመዛበልቲ ኮይኖም ይነብሩ ኣለዉ። ቅድሚ ሎሚ ካብ ዝተመዝገበ ዝለዓለ ቁፅሪ እዩ። ዳርጋ ፍርቆም ኣብ ትሕቲ ሳህራ ኣፍሪቃ ይርከቡ። ማእከል ምቁፅፃር ምምዝባል ውሽጢ ሃገር ዝተብሃለ ትካል ዘውፅኦ ፀብፃብ ከም ዝሓበሮ 34.8 ሚሊዮን ሰባት ኣብ 2023 ኣ\ፈ ዝተመዛበሉ ኮይኖም ቅድሚኡ ካብ ዝነበረ ዓመት ዝበዝሐ እዩ። እቲ ዝዓበየ ምውሳኽ ቁፅሪ ኲናት ሓድሕድ ሱዳን ኢዩ።

ኣብ መንጎ ሰራዊት ሱዳንን ሓይልታት ወሃቢ ህፁፅ ደገፍን ካብ ሚያዚያ 2023 ኣ\ፈ ጀሚሩ ብሰንኪ ይካየድ ዘሎ ውግእ 9.1 ሚሊዮን ሰባት ተመዛቢሎም ኣለዉ። እዚ ኣብ ዓለም ዝዓበየ በዝሒ ተመዛባሊ ዝርከባ ሃገር ይገብራ።

ኣብ ደሞክራሲያዊት ርፓብሊክ ኮንግ፡ ኢትዮጵያንን ቡርኪና ፋሶን እውን ብሰንኪ ግጭት ብበዝሒ ሰባት ምምዝባሎም እቲ ፀብፃብ ይሕብር።

ቅጥዒ

Recommended

XS
SM
MD
LG