ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን መበል ሓደ ሚእቲ ዓመት ኣገልግሎት ዝምድና ወጻኢን ዘመናዊ ዲፕሎማሲ ኣመሪካን ኣኽቢሮም። ብሊንከን ነዛ ዕለት ዘኽበርዋ ትማሊ ሰሊስ ምሸት ኣብ ቤት ዕዮ ጉዳያት ወጻኢ ንኽብሪ'ዛ ዕለት ኣብ ኣብ ዝተኻየደ ስነ ስርዓት'ዩ።
ብሊንከን ኣብቲ ስነ ስርዓት ኣብ ዘስምዕዎ መልእኽቲ ኣብ ኣገልግሎት ዝምድና ወጻኢ ብሰራሕተኛታት እቲ ሚኒስትሪ ዝተራእየ ውፍይነትን መስዋእትነትን ንኢዶም።
"ዕብየትና ካብቲ ኣብ 1924 ዝነበረ ቁጽሪ ኣባላት'ቲ ኣገልግሎት 633፡ ሕጂ ኣብ 2024 ናብ ዘለዎ 14-ሽሕ ምዕባዩ ጥራይ ኣይኮነን፡" ዝበሉ ብሊከን፡ "ኣብቲ ከይዲ'ውን ኣበይ እንታይን ብኸመይን ክንሰርሕ ከምዘለና ንርእስና ቀዪርና ኢና፡" ኢሎም'ለዉ።
ኣብቲ ኣጋጣሚ፡ ብሊንከን ኣመሪካ ዝሓለፈቶም እትሓልፎ ዘላን በበይኑ ብድሆታት ጸብጺቦም። ቅልውላው ስኑዕ መድሃኒታት፡ ዘይስሩዕ ዝውውር ሰባትን ምምዝባላትን ንመነባብሮ ኣመሪካውያንን ኣብ ዙርያ ዓለም ንዝርከቡ ሰባትን ብኸቢድ ይጽልዎ ከም ዘሎ'ውን ብሊንከን ወሲኾም።
ኣብቲ ትማሊ ሰሊስ ኣብ ቤት ዕዮ ጉዳያት ወጻኢ ዝተኻየደ ሰነ-ስርዓት ሕጂ ኣብ ኣገልግሎት ዘለዉ ጡረታ ዝወጹ ሰበ ስልጣናትን ጋዜኛታትን ኣባላት ማሕበረሰብ ኣገልግሎት ዝምድናን ርክባትን ወጻኢ ዝኾኑ ተረኺቦም ኔሮም።
ቅጥዒ