ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ታየ ደንዳኣ ንቤት ፍርዲ ቀሪቦም


ታየ ደንዳኣ
ታየ ደንዳኣ

ሚኒስተር ዲኤት ሰላም ዝነበሩ ኣቶ ታዬ ደንዳኣ፡ ሎሚ ሰሉስ አብ ፌደራላዊ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም፡ ንዝቐረቦም ክሲ ግብረ መልሲ ከምዝሃቡ ተፈሊጡ።

ጠበቓ ተኸሳሲ አቶ የኃላሸት ታምሩ ንቪኦኤ ከምዝገለጾ ‘እቲ ክሲ፣ ገበናዊ ክሲ ኣይኮነን’ ክብል ከም ዝተቓወሙን ንኽማሓየስሽ ከምዝሓተቱን ጠቒሱ።

ነቲ ቃለ ተቓውሞ ዝሰምዐ ችሎት ግና ‘ተኸሳሳይ ዘቕረቦ ሕቶ ምምሕያሽ መርሚሩ፣ ንምምሕያሽ ዘፍቅድ ሕጋዊ ኣገባብ የለን’ ክብል ነቲ ሕቶ ከም ዝነጸጎ ገሊጹ እዩ።

ኣቶ ታዬ ደንዳኣ ባሕቲ ታሕሳስ 2016 ብመሰረት ዝቐረቦም ክሲ "ንኢትዮጵያ ንምብታን ምስ ዝንቀሳቀሱ ሓይልታት ጸረ ሰላም ተሓባቢሮም፡ ንልእኽቶ ጥፋት ብሚስጢር ተንቀሳቒሶም፡" ከምዝተባሃሉ ዝዝከር እዩ።

ቤት ፍርዲ ን29 ግንቦት 2016 ካልእ ቆጸራ ሂቡ ኣሎ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG