ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረዚደንት ኢራን ብሓደጋ ሄሊኮፕተር ሞይቱ


መግለጺ ሓዘን ንሞት ፕረዚደንት ኢብራሂም ራይሲ
መግለጺ ሓዘን ንሞት ፕረዚደንት ኢብራሂም ራይሲ

ፕረዚደንት ኢራን ኢብራሂም ራይሲ ዝጓዓዘላ ዝነበረት ሄሊክፕተር ብግመ ተዓፊና፡ ሎሚ ሰኑይ ኣብ ኣኽራናት እታ ሃገር ወዲቓ ድሕሪ ምርካባ፡ ነቲ ፕረዚደንት ሓዊሱ ኣብኣ ዝነበሩ ላዕለዎት ሰብ-መዚ እታ ሃገር ምማቶም ማዕከናት ዜና ኢራን ገሊጸን።

ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ኢራን፡ ከምኡ’ውን ኣማሓዳሪ ሓደ ኣውራጃ ኢራን ውን ኣብቲ ሓደጋ ምማቶም ተፈሊጡ ኣሎ።

ድሕሪ ሞት ፕረዚደንት ራይሲ፡ ላዕለዋይ ሃይማኖታዊ መራሒ ኢራን፡ ኣይቶላህ ኾሜኒ ንምኽታል ፕረዚደንት ነበር መሓመድ ሞኽበር ግዜያዊ ፕረዚደንት ክኸውን ሸይሙዎ ኣሎ።

ኾሜኒ ብምኽንያት ሞት ፕረዚደንት ናይ ሓሙሽተ መዓልታት ሓዘን’ውን ኣዊጁ ኣሎ።

ወዲ 63 ዓመት ዝነበረ ፕረዚደንት ራይሲ፡ ንመፍረ ዩራንዩም ኢራን ናብ ዝለዓለ ደረጃኡ ከም ዘብጽሖ ሮይተርስ ይገልጽ። ካብ ውሽጢ ሃገር ሰፋሕቲ ተቓውሞታት ብሕልፊ ድማ ኣብ ጉዳይ ኣተሓሓዛ ደቀንስትዮ ዝጎንፎ ዝነበረ ፕረዚደንት ነበር ራይሲ፡ ንመፍረ ኣጽዋር እታ ሃገር የዕብዩ ክሳብ ንሩስያ ምሕጋዝ ከም ዘብጽሐ’ውን እቲ ዜና ይጠቅስ።

ሞት ፕረዚደንት ራይሲ፡ ኲናት ማእከላይ ምብራቕ ብገለ መልክዑ ናብ ኢራን ኣብ ዝጋፋሓሉ እዋን’ዩ ዝኸውን ዘሎ። ነቲ ዘሎ ፖለቲካዊ ምዕባለታት እንታይ ጽልዋ ከም ዝፈጥረሉ ድማ ንግዜ ዝግደፍ ሕቶ ምዃኑ ተንተንቲ ይዛረቡ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG