ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕሮግራም ልምዓት ኣመሪካ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ሓድሽ መደብ ጥዕና ጀሚሩ


ኣብ እዋን ምጅማር እቲ ፕሮጀክት
ኣብ እዋን ምጅማር እቲ ፕሮጀክት

ኣመሪካ፡ ማሕበረሰብ ኢትዮጵያ ንጉዳያት ጥዕናኦም ኣብ ዝምልከቱ ውሳነናትት ንምስታፍ፡ ብዛዕባ መሰላቶም ዘለዎም ፍልጠት ንምርዳእን ንምምሕያሽ ኣገልግሎታትን ከምኡ ኣሰራርሓ ክፍሊት ንምምሕያሽን ናይ ባዕልቶም ጥዕና ክቆፃጸሩን ዘኽእሎም ሓዱሽ ፕሮግራም ጀሚራ።

እቲ ናይ 35 ሚሊዮን ዶላር ፕሮጀክት እንኮላይ እቶም ኣዝዮም ዝተገለሉ ኩሎም ኣባላት ማሕበረሰብ ኣብ ናይ ውልቂ ትካላት ጥዕና ሓዊሱ ኣገልግሎታት ብምምሕያሽ ናይ ወሊድ ምቁፅፃር፡ ናይ ቆልዑንን ኣባፅሕን ኣገልግሎት ክረኽቡ ዝዓለመ እዩ።

እቲ ፕሮግራም ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ ዓመት ዝትግብር ከም ዝኾነ ኣብ ናይ ኣመሪካ ትካል ተራድኦ ልምዓት ኣመሪካ (USAID)፡ ንዘቤታዊ ጽምዶ ዝሰርሕ ጨንፈር ኣፍሊጡ።

ኣብ ኢትዮጵያ ሓለፍቲ USAIDን ሰበስልጣን ሚኒስተራት ጥዕናን ኣብ ዝተረኸብሉ ስነስርዓት እዩ እቲ ሓዱሽ ፕሮግራም ተጀሚሩ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG