ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፑንትላንድ ምስ ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማል ዘለዋ ርክብ ከም እትበትኽ ኣፍሊጣ


ፕረዚደንት ሶማል ሓሰን ሸኽ መሓሙድ
ፕረዚደንት ሶማል ሓሰን ሸኽ መሓሙድ

መንግስቲ ሶማሊያ ኣሰሓሓቢ ለውጥታት ሕገ መንግስቲ ድሕሪ ምግባሩ ፑንትላንድ ንፌደራል መንግስቲ ኣፍልጦ ከም ዘይትህብ ኣፍሊጣ። እታ ርእሰ-ምምሕዳራዊት ክልል ትማሊ ሰንበት ከም ዝሓበረቶ ካብ ስርዓት ፈደራል እታ ሃገር ብምውፃእ ብማእከላይ መንግስቲ ዝፀድቕ ሕገ መንግስታዊ ምምሕያሽ ኣብ መላእ እታ ሃገር ብረፈረንደም ክሳብ ዝካየድ ንባዕላ ነፃ ኮይና ከም እትመሓደር ኣፍሊጣ።

ኣብ ሞቓድሾ ዝርከብ ፌደራላዊ ፓርላማ ሶማሊያ ህድኣት ዘለዎ ፖለቲካዊ ስርዓት ምትካል ኣድላዪ ምዃኑ ብምግላፅ ብቕድሚ ትማሊ ቀዳም ሓያሎ ሕገ መንግስታዊ ምምሕያሻት ኣካዪዱ ኣሎ።

ነቐፍቲ ግን ዝተኣታተወ ቀጥታዊ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ሓዊሱ እቲ ፕረዚደንት ፓርላመንት ከየፅደቖ ንቐዳማይ ሚኒስተር ክሸውም ዝፈቅድ ሕገ መንግስታዊ ለውጢ ምግባሩ እቲ ስልጣን ኣብ ኢድ ፈፃሚ ጥራሕ ክውህለል ዘፍቅድ እዩ ይብሉዎ።

እቲ ምስሕሓብ ምስ ኣል-ቃይዳ ምትእስሳር ዘለዎ ኣልሸባብ ከብቅዕ ፕረዚደትን ሓሰን ሸኽ መሓመድ ንዘካይድዎ ዘለዉ ቃልሲ፡ ክትራን ባሕሪን ንኢትዮጵያ ወደብ ንምክራይ ኣብ ልዕሊ ዝተሰማምዐት ሶማሊላንድ ናይ ፌደራል ስልጣን ንምርግጋፅን ንዘካይድዎ ዘለው ፃዕሪ ካልእ ሕማም ርእሲ እዩ ተባሂሉ ኣሎ ብመሰረት ፀብፃብ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG