ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ናይ ቅድም ፕረዚደንት ታይዋን ንቻይና ይበጽሕ


ንመንገሻ ፕረዚደንት ማ ዝቃወሙ ታይዋናውያን ኣብ ማዕርፎ-ነፈርቲ ብምርካብ፡ ንርክብ ምስ ቻይና ዘለዎም ተቓውሞ የርእዩ
ንመንገሻ ፕረዚደንት ማ ዝቃወሙ ታይዋናውያን ኣብ ማዕርፎ-ነፈርቲ ብምርካብ፡ ንርክብ ምስ ቻይና ዘለዎም ተቓውሞ የርእዩ

ምትፋንን ቻይናን ታይዋንን ኣብ ዝዓበየሉ፡ ናይ ቅድም ፕረዚደትን እታ ደሴት ነበር ማ ዩንግ-ዡ ንናይ 11 መዓልታት ዑደት ስራሕ ንቻይና ምጋሹ ተፈሊጡ።

ሎሚ ሰኑይ ምስ ካልኦት ተመሃሮ ካብ ታይፐ ዝነቐለ ፕረዚደንት ነበር ማ፡ ኣብቲ ባህላዊን ንግዳዊን ርክባት ንምሕያል ዝተሰምየ ዑደት ምስ ፕረዚደንት ቻይና ሺ ዢንፒንግ’ውን ክራኸብ ከም ዝኽእል ኣገልግሎት ዜና ኣሶሸትድ ፕረስ ኣስፊሩ።

ኣብ 2015 ኣብ ከባቢ መወዳእታ ዘመን ስልጣኑ፡ ኣብ ሲንጋፖር፡ ምስ ፕረዚደንት ቻይና ንፈለማ እዋን ዝተራኸበ መራሒ እታ ደሴት ዝተሰምየ ማ፡ ኣብዚ ዝደሓረ ዑደቱ’ውን ስም ከይጠቐሰ፡ “ምስ ናይ ቀደም ኣዕሩኽተይ” ክራኸብ ብምባል ንእሽቶ ኣንፈት ሂቡ ኣሎ።

ዝበዝሑ ታይዋናውያን ሕብረት ምስ ቻይና ዝቃወሙ ምዃኖም ይፍለጥ። ቻይና ግን እታ ደሴት ኣካላ ምዃና ብምምጓት ውዒላ-ሓዲር ምምላሳ ኣይክተርፋን’ዩ በሃሊት’ያ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG