ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኤርትራዊት-ኣመሪካዊት ሊሊ ዮሃንስ ንሃገራዊት ጋንታ ኣመሪካ ተመሪጻ


ሊሊ ዮሃንስ
ሊሊ ዮሃንስ

ኣብ ቪርጂንያ ኣመሪካ ተወሊዳ፡ ኣብ ኤውሮጳ ምስ ክለብ ኣያክስ እትጻወት ሊሊይ ዮሃንስ፡ ምስ ሃገራዊት ጋንታ ደቀንስትዮ ኵዕሶ እግሪ ንምጽንባር ዕድመ ቀሪቡላ፡ ከም ዝተቐበለቶ ኣሰልጣኒት እታ ሃገራዊት ጋንታ ኣፍሊጣ። እታ ኣከፋፋሊት ክለብ ኣያክስ ጓል 16 ዓመት ሊሊ፡ ኣብ ታሪኽ ሃገራዊት ዓበይቲ ምስ ተጸንበረት እታ ዝነኣሰት ኣባል’ታ 23 ተጻወትቲ ዝሓዘት ሃገራዊት ጋንታ ከትከውን’ያ።

ኣብ 2017 ምስ ጋንታ ኣያክስ ንምጽዋት ናብ ኔርዘላንድስ ዝገዓዘት ሊሊ፡ ኣብ እዋና ዝነኣሰት ኣባል ጋንታ ኣያክስ ምዃን’ውን ክብረ-ወሰን ሰይራ’ያ። ኣብ ኔዘርላንድስ ክትጻወት ከም ምጽናሓ፡ ምስ ሃገራዊት ጋንታ ኔዘርላንድስ ክትስልፍ’ያ ዝብል ትጽቢት እኳ እንተ ጸንሐ፡ ሕጂ ንሃገራዊት ጋንታ ኣመሪካ ኣመሪካ ኣንጻር ካናዳን ብራዚልን ኣብዚ ወርሒ ኣብ ዝግበረኦ ጸወታት ክትሳተፍ ምዃና ተፈሊጡ ኣሎ።

ምስ ጋንታ ኣያክስ ብምስላፍ ኣንጻር ፓሪስ ሰንቲ ጀርመይን ኣብ UEFA ዝተጻወተት ሊሊ ኣብ ታሪኽ እቲ ውድድር ዝነኣሰት ተጻዋቲት ተመዝጊባ ኣላ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG