ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

3 ኣባላት ፓርላማ ኢትዮጵያ ብተግባራት ግብረ ሽበራ ተኸሲሶም


ስእሊ ፋይል
ስእሊ ፋይል

ኣብ ኢትዮጵያ ሰለስተ ኣባላት ፓርላማ ዝርከብዎም ብኣዋጅ ህጹጽ እዋን ዝተኣሰሩ 14 ሰባት ሎሚ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም ኔሮም። ዓቅቢ ሕጊ ዘቕረበሎም ክሲ፡ ኣብ ክልል ኣምሓራ ምስ ዘሎ ግጭት ብዝትሓሓዝ ንግብረ ሽበራ ዝምልከት መምርሒ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ጥሒሶም ዝብል`ዩ።

ሎሚ ቤት ፍርዲ ካብ መንጎ ዝቐረቡ 14 ሰባት፡ ኣባል ባይቶ ወከልቲ ኢትዮጵያ ኣቶ ክርስትያን ታደለ፡ ኣባል ቤት መኽሪ ኣምሓራ ኣቶ ዮውሃንስ ባያሌው፡ ኣባል ቤት መኽሪ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዶ/ር ካሳ ተሻገርን ይርከቡዎም።

እቶም ክሱሳት ካብ ሎሚ ጀሚሮም ምስ ጠበቓታቶምን ምስ ካልኦት በጻሕቶምን ክራኸቡ ከም ዝኽእሉ ዳኛ ፈቒዱሎም ኣሎ። ንዝመጽእ ዓርቢ መጋቢት 27 2016 ኣቆጻጽራ ግእዝ ናብ ቤት ፍርዲ ክምለሱ ቆጸራ ሂቡ ድማ ናይ ሎሚ ውሳንኡ ዓጽዩ።

እዞም ኣባላት ፓርላማ ድሕሪ ናይ ሽውዓተ ኣዋርሕ ማእሰርቲ'ዩ ክሲ ዝምስረተሎም ዘሎ። ኣቐዲሞም ኣብ ኣዋሽ-ኣርባ ዝተባህለ ወታሃደራዊ ቤት ማእሰርቲ ክጸንሑ እንከለዉ፡ ቅድሚ ቀረብ ግዜ'ዮም ናብ ኣዲስ ኣበባ ግዒዞም።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG