ዋሽንግተን ዲሲ —
ኣብ ዞባ ካዱና ናይጀርያ ተጨውዮም ዝነበሩ ልዕሊ 100 ተመሃሮ ተመሊሶም። ነቶም ተመሃሮ ንምቕባል ኣብ ከተማ ኩሪጋ ህዝቢ `ታ ከተማ ወጺኡ ነይሩ።
ሰራዊት ናይጀርያ ከም ዘውጽኦም `ዩ ተነጊሩዎም። ነቶም ተመሃሮ ካብቶም ጨወይቲ ንምውጻእ ዳርጋ 700 ሺሕ ዶላር ተሓቲቱ እንተነበረ`ኳ ቅድሚ ደረት ግዜ ምሕላፉ ከድሕንዎም ከምዝኽኣሉ ይገልጹ።
ዝሓለፈ መጋቢት 7 ኣብ ኩሪጋ ዝተጨወዩ ተመሃሮ ቁጽሮም 287 ክኸውን ከሎ፡ ኣብ ናይጀርያ ካብ ዝተገብረ ጃምላዊ ጭውያ እቲ ዝበዝሐ ቍጽሪ`ዩ።
ኣብ 2021 ካብ ቤት ትምህርቲ ካዱና ልዕሊ 150 ተመሃሮ ዝተጨውዩ ክኾኑ እንከለዉ፡ ቅድሚ 10 ዓመታት ብቦኮ ሓራም ኣብ ቺቦክ ዝተፈጸመ ጭውያ ኣዋልድ ብደረጃ ዓለም ዓቢ ኣርእስቲ ኮይኑ ምንባሩ ይዝከር። ካብ መንጎ`ተን ኣዋልድ ገሊአን ክሳብ ሎሚ ኣይተፈትሓን።
ሕጂ`ውን፡ ብፍላይ ኣብ ሰሜናዊ ናይጀርያ በቶም ጅሆ ሒዞም ገንዘብ ዝሓቱ ገበነኛታት፡ ምጭዋይ ተመሃሮ ዳርጋ መዓልታዊ ፍጻመ`ዩ ኮይኑ ዘሎ። ወለዲ ድማ ንደቆም ከፍትሑ ክብሉ፡ ዘለዎም ንብረትን ጥሪትን ይሸጡ -- ገለ `ውን መሬቶም ዝሸጡ ኣለዉ -- ሽሕ`ኳ መንግስቲ ነቶም ገበነኛታት ገንዘብ ከይክፈል ዝምሕጸን እንተኾነ።
ቅጥዒ