ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ብዘጋጠመ ሓደጋ ኣውቶቡስ 45 ነጋድያን ሞይቶም፡ ወዲ-8 ዓመት ጥራይ ድሒኑ


ካብቲ ሓደጋ ብህይወት ዝወጽአ ወዲ 8 ዓመት ቆልዓ ጥራይ'ዩ።
ካብቲ ሓደጋ ብህይወት ዝወጽአ ወዲ 8 ዓመት ቆልዓ ጥራይ'ዩ።

ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ሓንቲ ኣውቶቡስ ብድልድል ጸዲፋ -ብዘይካ ሓደ ቆልዓ ኣብኣ ዝነበሩ 45 ተሳፈርቲ ሞይቶም። ንበዓል ፋሲካ ከብዕሉ ኣብ ኣውቶቡስ ተሳፊሮም ዝጓዓዙ ካብ ዝነበሩ 46 ሰባት ሓደ ወዲ 8ተ ዓመት ቆልዓ ጥራይ ብህይወት ተሪፉ`ሎ - ከም ሓበረታ ሰበ-ስልጣን ደቡብ ኣፍሪቃ።

እቶም ግዳያት ኩሎም ካብ ቦትስዋና ምዃኖም `ዩ ዝግለጽ ዘሎ። ናብታ ኣብ ዞባ ሊምፖፖ ትርከብ ሞሪያ ትብሃል ከተማ ኣማኢት ኣሸሓት ዝእከቡላ ቤተ ክርስትያን ጽዮን ማርያም ፋሲካ ከኽብሩ ዝጓዓዙ ዝነበሩ ምዃኖም`ውን እቶም ምንጭታት ወሲኾም ሓቢሮም ኣለዉ።

እቲ ሓደጋ ዘጋጠመሉ ቦታ ካብ ርእሰ ከተማ ፕሪቶርያ ኣስታት 200 ኪ.ሜ. ንሰሜን ዝርከብ ጥቓ ከተማ ሞኮፐን`ዩ።

ጠንቂ `ቲ ሓደጋ ንምፍላጥ እቲ መርመራ እንተዘይተወደአ`ኳ፡ መራሒ መኪና በቲ ጎቦታት ኣብ ዝሓለፈሉ ዝነበረ እዋን፡ ነቲ ኣብ ገምገም ጽርግያ ዘሎ ኣዕኑድ ምስ ሃረሞ `ዩ ብድልድል ክጸድፍ ክኢሉ ይብሉ ዛጊት ዘለዉ ግምታት።

ፕረሲደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ሲሪል ራማፎዛ፡ እቲ ፍሉጥ ቤተ ክርስትያን ካብ ውሽጢን ካብ ጎረባብቲ ሃገራትን ዝነግድዎ ፍሉጥ ቤት ኣምልኾ`ዩ ብምባል እቶም ናይ ሕጂ ግዳያት ኩሎም ካብ ቦትስዋና ከይኮኑ ኣይተርፉን `ዮም ምባሉ ተሓቢሩ`ሎ- ከም ጸብጻብ ኣሶሼይትድ ፕረስ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG