ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መክሲኮ፤ እኩብ ህዝቢ ንሓንቲ ሰበይቲ ቀቲሎም


ካብቲ ዝወርድ ዝነበረ እኩብ መጥቃዕቲ ክከላኸል ዘይክኣለ ፖሊስ ድሕሪ ከቢድ ማህረምቲ ኣልዒሉ እኳ እንተ ወሰዳ፡ በቲ ዝወረዳ ጭፍጨፋ ግን ከም ዝሞተት ድሒሩ ፖሊስ ኣፍሊጡ።
ካብቲ ዝወርድ ዝነበረ እኩብ መጥቃዕቲ ክከላኸል ዘይክኣለ ፖሊስ ድሕሪ ከቢድ ማህረምቲ ኣልዒሉ እኳ እንተ ወሰዳ፡ በቲ ዝወረዳ ጭፍጨፋ ግን ከም ዝሞተት ድሒሩ ፖሊስ ኣፍሊጡ።

ቴክስኮ ኣብ እትብሃል መስሕብ በጻሕቲ ዝዀነት ከተማ መክሲኮ፡ እኩብ ህዝቢ ንሓንቲ ብቕትለት ጓል 8 ዓመት ቆልዓ ዝጠርጠራ ሰበይቲ ጨፍጪፉ፡ ቀቲሉ። እዚ ትማሊ ሓሙስ ዘጋጠመ ክስተት ዝጠፍአት ቆልዓ ሞይታ ድሕሪ ምርካባን ናይቲ ከባቢ ካሜራ ድማ ነታ ዝተጠርጠረት ሰበይቲን ካልእ ሰብኣይን ኣብ መኪና ገለ ንብረት ክጽዕኑ ስለ ዘርኣየ’ዩ። ኣብታ መኪና ዝጽዓን ዝነበረ ንብረት ሬሳ እታ ህጻን ምዃኑ’ዮም ነበርቲ ዝኣምኑ።

እቲ እኩብ ህዝቢ ናብ መንበሪ ገዛ እታ ሰበይቲ መጺኡ ክትወጽእ ድፍኢት ክገብር ድሕሪ ምጽናሕ፡ ፖሊስ ናብ ቤታ ኣትዮም፡ ኣብ መኪኖኦም ጽዒኖማ ክወጽኡ ፈቲኖም። እንተዀነ ነቲ ገዛ ከቢቡ ዝነበረ እኩብ ህዝቢ፡ ንፖሊስ ብምጥሓስን ብሓይሊ ካብታ መኪና ብምውራድን ክጭፍጭፋ ጀሚሩ። ካብቲ ዝወርድ ዝነበረ እኩብ መጥቃዕቲ ክከላኸል ዘይክኣለ ፖሊስ ድሕሪ ከቢድ ማህረምቲ ኣልዒሉ እኳ እንተ ወሰዳ፡ በቲ ዝወረዳ ጭፍጨፋ ግን ከም ዝሞተት ድሒሩ ፖሊስ ኣፍሊጡ።

ኣብ ካልእ ቦታ ኣብ ቅትለት እታ ዝጠፍአት ቆልዓ ዝተጠርጠሩ ክልተ ሰብኡት’ውን ብእኩብ ህዝቢ ከም ዝተቐጥቀጡ ተፈሊጡ። ሓይሊ ፖሊስ ግን ካብ ሞት ኣድሒኑ ሕጂ ኣብ ሕክምና ተዓቚቦም ምህላዎም ተፈሊጡ ኣሎ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG