ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

“ድልድል ባልቲሞር ንምዕራይ ብውሑዱ 400 ሚልዮን ዶላር ይሓትት፡” መሃንድሳት


ምምሕዳር ፕረዚደንት ባይደን ንህጹጽ እዋን ዝኸውን 60 ሚልዮን ዶላር ፈደራላዊ ሓገዝ ገይሩ ኣሎ
ምምሕዳር ፕረዚደንት ባይደን ንህጹጽ እዋን ዝኸውን 60 ሚልዮን ዶላር ፈደራላዊ ሓገዝ ገይሩ ኣሎ

ብሰሉስ ብመርከብ ዋንነት ሲንጋፖር ዝፈረሰ ድልድል ባልቲሞር ንምጽጋኑ ካብ 400 ሚልዮን ክሳብ 800 ሚልዮን ዶላር ክውድእ ከም ዝኽእል ክኢላታት የምልክቱ ኣለዉ። ገና ብዙሕ ዘይነጸረ ጉዳያት ስለ ዘሎ’ዩ እቲ ኣብ ትማነ ዋጋ ዓቢ ፍልልይ ኣምጺኡ ዘሎ።

ብተመሳሳሊ ነቲ ድልድል ጸጊንካ ናብ ንቡር ስራሕ ንምምላሱ ካብ ዓመትን ፈረቓን ክሳብ ውሑድ ዓመታት ክወስድ ከም ዝኽእል ክኢላታት ይእምቱ።

ምፍራስ እቲ ድልድል ዓቢ ቍጠባዊ ማሕንቖ ከስዕብ ጀሚሩ ኣሎ። ኣማሓዳር ክፍለ-ሃገር መሪላንድ ወስ ሙር ነዊሕን ጽንኩርን ጕዕዞ ከም ዝጽበዮም ኣሚቱ። ምምሕዳር ፕረዚደንት ባይደን ንህጹጽ እዋን ዝኸውን 60 ሚልዮን ዶላር ፈደራላዊ ሓገዝ ገይሩ ኣሎ። ካብ ሚኒስትሪ ምክልኻል ዝወጽአ ኣሃዱ መሃንድሳት ድማ ንስብርባር እቲ ደልድል ክኣሪ ጀሚሩ ኣሎ። ባይቶ ኣመሪካ ነቲ ምዕራይ ድልድል ዝኸውን ገንዘብ ብቕልጡፍ ኣጽዲቑ ነቲ ዘሎ ቅልውላው ካብ ምንዋሕ ከድሕኖ ድማ ኣገልግሎት ዜና ኣሶሸትድ ፕረስ ዘዘራረቦም መሃንድሳት ይምሕጸኑ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG