ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ክልል ኣምሓራ ንጉዳይ መመሃሪ መጽሓፍቲ ኣመልኪቱ ምላሽ ይህብ


ስእሊ ፋይል
ስእሊ ፋይል

መንግስቲ ክልል ኣምሓራ ዝሓለፈ ሰኑይ ኣብ ናይቲ ክልል መምሃሪ መጽሓፍቲ ዝተሓትመ ካርታ ብዝምልከት ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ንዘውጽኦ መጠንቀቕታ ምላሽ ሂቡ።

ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ነቲ ዘሰሓሕብ ከባብታት ናብ ክልል ኣምሓራ ዘእተወ ካርታ ኣብ መምሃሪ መጽሓፍቲ ምሕታሙ ዝምልከት መግለጺ ብምውጻእ ብቕልጡፍ እርማት ክግበረሉ ኣጠንቂቑ ኔሩ።

ክልል ኣምሓራ ሎሚ ሓሙስ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ ድማ፡ ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ንታሪኽ ህዝብታት ጭቡጥ መረዳእታን ሓባራዊ ሓቂን ዝኸሓደ`ዩ ክብል ነጺግዎ`ሎ።

እቲ መግለጺ ክልል ኣምሓራ ብምውሳኽ፡ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣብ ዝተወሰኑ ከባብታት ክልል ኣምሓራ ምትዅታዅኽ ይገብር ኣሎ ክብል ይኸስስ።

ግዜያዊ ምምሕዳር ከተማ ኣላማጣ ብወገኑ፡ ካብ ትግራይ ዝተበገሱ ዝበሎ ዕጡቓት ሓይልታት ሎሚ`ውን ተወሰኽቲ ቦታታት ብወራር ሒዞም ኣለዉ ዝብል ስምዕታ ኣቕሪቡ`ሎ።

ትማሊ ረቡዕ ምስ ድምጺ ኣመሪካ ዝተዛረበ ሓላፊ ኮሚኒኬሽን ክልል ትግራይ ኣቶ ረዳኢ ሓለፎም ብወገኑ፡ ምምሓዳሩ ዝፈጸሞ ወራር ኮነ ዝሓዞ ቦታ ከም ዘየለ ኣፍሊጡ ነይሩ።

ብሄራዊ ምንቅስቓስ ኣምሓራ ዝተባህለ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝንቀሳቐስ ፖለቲካዊ ውድብ ብወገኑ፡ ብስምምዕ ፕሪቶርያ ዓንቀጽ 3 ንኡስ ዓንቀጽ 5 መሰረት፡ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ናብ ክልል ትግራይ ኣትዩ ተልእኾ ምኽባር ጸጥታ ብዝተማልአ ኩነታት ክርከብ ኣብ ስምምዕ ዝተበጽሐ`ኳ እንተኾነ፡ እቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ውድብ ግን ዕጥቁ ኣይፈትሐን፡ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር`ውን ናብ ትግራይ ኣትዩ ጸጥታ ምኽባር ስራሕ ኣይተረከብን ክብል ኣሰሚዑ`ሎ።

ብዛዕባ`ቲ ኣብቲ ዘሰሓሕብ ቦታታ ተፈጢሩ ዝብሃል ዘሎ ሓድሽ ኩነታት ካብ ፈደራል መንግስቲ ምላሽ ንምርካብ ተፈቲኑ ዛጊት ኣይተረኽበን-ከም ጸብጻብ መስፍን ኣራጌ ካብ ደሴ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG