ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

"ምዕራብ ወለጋ -- 16 ሲቪላውያን ዜጋታት ተቐቲሎም" መሰኻኽር


ስእሊ ፋይል
ስእሊ ፋይል

ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኦሮሚያ፡ ዞባ ምዕራብ ወለጋ፡ ኣብ መንጎ ሓይልታት መንግስትን ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞን ዝሓለፈ ሰንበት ብዝነበረ ግጭት ብውሕዱ 16 ሲቪላውያን ሰባት ከም ዝተቐትሉ ነበርቲ ሓቢሮም።

መሰኻኽር ዓይኒ ከም ዝብሉዎ እንተ፡ እቶም ዕጡቓት ካብቲ ቦታ ምስ ኣንሰሓቡ ሓይልታት መንግስቲ`ዮም ነቲ ቅትለት ፈጺሞሞ። ሰበ-ስልጣን ክልል ኦሮሚያ ርእይቶ ኣይሃቡን። ወሃቢ ቓል`ቲ ክልል ኣቶ ሃይሉ ኣዱኛ `ውን ምላሽ ተሓቲቱ ዝሃቦ ምላሽ የለን።

ኣብዚ ቀረባ ምስ መራኸቢታት መንግስቲ ቃለ-መጠይቕ ዝግበረ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ኢትዮጵያ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ግን፡ ነቲ ንሲቪላት ዒላማ ይገብሩ`ለዉ ዝብል ክሲ ነጺግዎ ነይሩ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG