ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኤል-ሳልቫዶር፤ 15 ኩንታል ሓሽሽ ካብ ኣሰጋገርቲ ተጠሊፉ


እቱ ዝተታሕዘ ኮከይን ምስ ኣሰጋገርቱ
እቱ ዝተታሕዘ ኮከይን ምስ ኣሰጋገርቱ

ሓይሊ ባሕሪ ኤል ሳልቫዶር ነቶም 15 ኩንታል ሓሺሽ ኮከይን፡ ኣብ ጀልባ ጽዒኖም ይጕዓዙ ንዝነበሩ ትሽዓተ ሰባት ከም ዝሓዘ ፕረዚደንት’ታ ሃገር ገሊጾም።

ፕረዚደንት ናይቢ ቡከሌ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ዝዘርግሑዎ ናይ ኤክስ (ቅድም ትዊተር) መልእኽቲ፡ ዋጋ እቲ ዝተታሕዘ ሓሽሽ ክሳብ 37 ሚልዮን ዶላር ክበጽሕ ከም ዝኽእል ሓቢሮም።

እቶም ዝተታሓዙ ኣዘዋወርቲ ኮኬይን፣ ሽዱሽተ ኢኳዶርያውያንን ሰለስተ ድማ ደቂ ጓቲማላን ምዃኖም ተፈሊጡም።

ሓይሊ ባሕሪ ኤል ሳልቫዶር፡ ኣብ’ቲ ብኣዘዋወርቲ ሓሽሽ ዝዝውተር መተሓላለፊ ሰላማዊ ውቅያኖስ፡ ብተደጋጋሚ ንገበነኛታት ኣዘዋወርቲ ከምዝሕዙ ይፈልጥ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG