ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢፍጣር -- ንሕብረ-ሃይማኖታዊ ምክእኣል


ኣብ ወርሓት ጾም ሮመዳን ኣብ በበይኑ ሃገራትን ከተማታትን ብሓባር ይፍጠር
ኣብ ወርሓት ጾም ሮመዳን ኣብ በበይኑ ሃገራትን ከተማታትን ብሓባር ይፍጠር

ድምጺ ኣዛን ካብ ውሽጢ ቤተ-እምነት ኣይሁድ ዝዀነ ምኹራብ (ስይኖጎግ) ይስማዕ። እዚ ኣጋጣሚ ኣመንቲ ምስልምና ንጾም ሮሞዳን፡ ኣመንቲ ክርስትና ጾም ኣርብዓ፡ ሰዓብቲ እምነት ኣይሁድ ድማ ንኖውራዝ ኣብ ዝከታተሉ ዘለዉ ወርሓት’ዩ። ሰለስቲኦም እምነታት ከኣ ብሓባር ኣብ ዝተዳለወ ድራር ይቕረቡ።

ኢፍጣር -- ንሕብረ-ሃይማኖታዊ ምክእኣል
please wait

No media source currently available

0:00 0:04:07 0:00

ኣይሁዳዊ መምህር (ራባይ) ስቲዋርት ዌንብላት፡ ናይ ሎሚ ዓመት ምትእኽኻብን ሓበራዊ ድራርን ካብ ናይ ቅድሚኡ ዝተፈልየ ምዃኑ ይነግር፤ “ካብቲ ዝሓለፈ ዓመት ብሓደ ንኢፍጣር ዝተራኸብናሉ እዋን ንደሓር ዓለም ብዙሕ ለውጢ ርእያ ኣላ። ንሱ ድማ ኣብ መንጎ ሓማስን እስራኤልን ድሕሪ ዝተወልዐ ኲናት ምዃኑ’ዩ።”

ኣብ መንጎ እስራኤልን ሓማስን ብሰንኪ ዝተወልዐ ግጭት፡ ንሓያሎ ነብሶም ከግልሉ ድፍኢት ከም ዝዀነ ኣየጠራጥርን። እንተዀነ ነቲ ዘሎ ምትፍናን ስዒሮም ኣስታት ሓደ ሚእቲ ዝዀኑ ኣመንቲ ኣብቲ ኢፍጣር ተሳቲፎም። እቲ ኣጋጣሚ ኣብ ኣመሪካ ዝተመስረታ ደቀንስትዮ ኣመንቲ እስልምና ንሃይማኖታዊ ምጽውዋር ምስ ምትሕብባር ንጸረ-ሴማውነት ዝቃለስ ናይ ኣይሁድ ማሕበር ዝተዳለወ’ዩ።

ኣኒላ ዓሊ ፕረዚደንት እቲ ንሃይማኖታዊ ምክእእላን ምጽዋርን ዝዕላማኡ ማሕበር ደቀንስትዮ ፕረዚደንት’ያ።

“ጎረቤት ክንቅይር ኣይንእኽልን ኢና። ኣመንቲ ክርስታን፡ ኣይሁድ፡ ሂንዱን ጎረባብቲ ክህሉውና ንቡር’ዩ። ፖለቲካዊ ፍልልያትና ኣርሒቕና ኣብቲ ንዅላትና ዘጣምር ድልድል ክንሰርሕ ኣድላዪ መሲሉ ይስመዓኒ፡” ትብል ኣኒላ ዓሊ።

እቶም ኣዳለውቲ ብቐንዱ ንኣባላት እቲ ምትእኽኻብ ዝዀኑ ተኸተልቲ እምነት ኣይሁድን ምስልምናን ናይ ምፍርራሕ ተርእዮ ከም ዝነበረ ይገልጹ። ዕላማኡ ነቲ መደብ ንምስራዙ ድፍኢት ምግባር’ዩ።

ራባይ ስቲዋርት ዌንብላት፡ ምኽንያት ናይቲ ተፈጢሩ ዘሎ ምትፍናን ከብርህ እንከሎ፤ “ከቢድ ምትፍናን ሰፊኑ ኣሎ። ብሓያሎ ወገናት ዘይምትእምማንን ስግኣት ሓድሕድን ይንጸባረቕ ኣሎ። ነዚ ንምስባር እምበኣር’ዩ እዚ ዘዳለናዮ ድራር ኣገዳሲ ዝኸውን። እቲ ምጥምማት ዓብዩሉ ኣብ ዘሎ እዋን ንምድላዉ ቀሊል ኣይነበረን። ኣብ ከምዚ እዋን ንቕድሚት መጺኦም ክርኣዩ ዝደልዩ ውሑዳት’ዮም። ንሱ ከኣ’ዩ ኣገዳሲ ዝገብሮ፡” ይብል።

ምስቲ ኵሉ ሰፊኑ ዘሎ ምትፍናን ግን ከምዚኣቶም ዝመስሉ ኣጋጣሚታትን ምትእኽኻባትን ጥራይ ነቲ ዘሎ ጽልኢ ክሰብሩ ከም ዝኽእሉ ኣኒላ ዓሊ ትዛረብ። ከምዚ ዝመስል ሓባራዊ ምትእኽኻብ ምስ ዘይህሉ ድማ ኣብቲ ሕብረተሰብ ዘሎ ጋግ ክዓቢ ከም ዝኽእል ትሕብር። ከምዚ እናዀነ’ውን ናብኣን ካልኦት ኣወሃሃድቲን ዝመጽአ ናይ ጽልኢ መልእኽቲን ንምቍራጹ ዝደፍእ ሓሳባትን ቀሊል ኣይነበረን ትብል። እንተዀነ ንዕኡ ሰጊሮም ተመሳሳሊ ናይ ኢፍጣር ምትእኽኻብ ኣብ ቦስተን፡ ሎስ-ኣንጀለስን ኒው-ዮርክን ከም ዝገበሩ’ውን ትነግር።

ኣምባሳድር እስራኤል ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝዀነ ማይክል ሀርዞግ ሓደ ካብቶም ተሳተፍቲ እቲ ኢፍጣር’ዩ ነይሩ። ኣብ ቀረባ ኣዋርሕ ንሴማዊ ዘርኢ ዘነኣእስን ጽልኢ ዝገለጽን ተርእዮታት ምዕባዩ እቲ ኣምባሳድር ይሕብር። ንኸምዚ ዝመስል ተርእዮ እቲ እንኮ መፍትሒኡ ድማ ሃይምኖት ሓድሕድ ምክብባር፡ ብዛዕባ’ቲ ካልእ ምፍላጥን ምምሃርን ምዃኑ ይኣምን። እቲ ኣምባሳድር ኣስዒቡ፡ ብኻልእ ወገን’ውን ሰፋሕቲ ጸረ-እስላማዊ እምነት ስምዒታት ከም ዝተገንዘበ ይዛረብ። እቲ ናይ ኢፍጣር ኣጋጣሚ ነቲ ከምኡ ዝመስል ብኽልተ ኣንጻር ወገናት ዝርአ ስምዒት ኣብ ምዝሓል እወንታዊ ተራ ክጻወት ከም ዝኽእል’ዩ እቲ እስራኤላዊ ኣምባሳር ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝሕብር።

ምስ ናይ ቅድሚኡ እዋን ተነጻጺሩ ሎሚ ዓመት ቍጽሪ ተሳተፍቲ ኣስላም ምውሓዱ ኣዳለውቲ ይነግሩ። እቲ ምኽንያት ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ብሰንኪ ዘሎ ጎንጺ’ዩ።

ኣብቲ ኣጋጣሚ ዝተዛረቡ መራሕቲ ኵላቶም ሃይማኖት ግን ነቲ ኣንጻር እምነታት እልምናን ኣይሁድን ዝርአ ዘሎ ሰፋሕቲ ናይ ጽልኢ ጎስጓሳት እንኮ መፍትሒኡ ምርድዳእን ሓድሕድካ ምፍላጥን ምዃኑ ይነግሩ--ከም ጸብጻብ ኒሎፋር ሙጋል።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG