ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣዲስ ኣበባ -- ምስ ሰለማዊ ሰልፊ ተኣሳሲሩ ወደብቲ ይፍትሑን ይእሰሩን


ኣዲስ ኣበባ
ኣዲስ ኣበባ

ኣቦ ወንበር ኢህኣፓ ትማሊ ኣብ ቍፅፅር ክውዕሉ እንከለዉ ናይቲ ፓርቲ ምኽትል ኣቦ ወንበርን ትንሳኤn ሰብዓ እንደርታ ናይ ዝተብሃለ ፓርቲ ምኽትል ኣቦ ወንበር ድማ ካብ ቤት ማእሰርቲ ተፈቲሖም ኣለዉ።

ቀዳማይ ምኽትል ኢህኣፓ መጋቢ ብሉይ ኣብርሃም ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ካብ ኣዋሽ ኣርባ ከም ዝተፈትሑ ንድምፂ ኣመሪካ ተዛሪቦም ኣለዉ።

ብተመሳሳሊ ምኽኒያት ኣብ ኣዋሽ ኣርባ ካብ መንጎ ዝተኣሰሩ ፖለቲከኛታት ምኽትል ኣቦ ወንበር ኣቶ ጊደና መድህን እውን ምፍትሖም ናይቲ ፓርቲ ኣቦ ወንበር ኣቶ ከበደ ኣሰፋ ኣረጋጊፆም።

ብኻእእ ወገን ድማ ኣቦ ወንበር ኢህኣፓ ተሓጋጋዚ ፕሮፌሰር ዝናቡ ኣበራን "ኵናት ሕድሕድ ይእከል" ብዝብል ተፀዊዑ ንዝነበረ ሰልፊ ከተሓባብሩ ዝነበሩ ካልኦት ክልተ ፖለቲከኛታት ኣብ ቁፅፅር ውዒሎም ቤት ፍርዲ ቀሪቦም ኣለዉ። ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት ዝተኣሰሩ ፖለቲከኛታት ብዝምልከት ካብ መንግስቲ ዝተውሃበ መግለፂ የለን ይብል ፀብፃብ ኬኔዲ ኣባተ ካብ ኣዲስ ኣበባ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG