ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ድሕሪ ምፍራስ ደልድል ባልቲሞር፡ ነበርቲ ቍጠባዊ ተጽዕኖ ይወርዶም


ሽዱሽተ ሰባት በቲ ሓደጋ ሞይቶም ከም ዝዀኑ ይእመን
ሽዱሽተ ሰባት በቲ ሓደጋ ሞይቶም ከም ዝዀኑ ይእመን

ነበርቲ ክፍለ-ሃገር ሜሪላንድ ምፍራስ ድልድል ባልቲሞር ዘምፅኦ ቁጠባዊ ፅልዋ ከም ዘጨነቖም ገሊፆም። ሓንቲ ናይ ፅዕነት መርከብ ትማሊ ሰሉስ ንጉሆ ምስ ናይ ባልቲሞር ፍራንሲስ ስካት ድልድል ተጋጭያ እቲ ድልድል ፈሪሱ ሽዱሽተ ሰባት ምሟቶም ይእመን።

መራሒ ዳሊ ናይ ዝተብሃለ ፅዕነት መርከብ ቅድሚ እቲ ሓደጋ ኤሌክትሪካ ሓይላ ከምዝጠፍአ ፃውዒት ኣቕርቡ ነይሩ። እንተኾነ ግን እታ መርከብ ብቕላጣፈ ናብቲ ድልድል ትሓንን ከም ዝነበረት ኣመሓዳሪ ክፍለ-ሃገር ሜሪላንድ ዌስ ሞር ገሊፁ።

ሰለስተ ሚእቲ ሜትሮ ዝንውሓታ መርከብ ነቲ 2.6 ኪሎ ሜትሮ ዝንውሓቱ ድልድል ምስ ወቐዐቶ ተደርሚሱ ኣብ ሰኬንዳት ናብ ማይ ወዲቑ።

ኣብቲ ድልድል ስራሕቲ ፅገና መንገዲ ይሰርሑ ዝነበሩ፡ ሽዱሽተ ሰራሕተኛታት ክሳብ ትማሊ ሰሉስ ድሕሪ ስዓት ሃለዋቶም ኣይተፈለጠን።

እታ መርከብ ኣብ ቺሌ ኣብ ዝርከብ ወደብ ኣብ ወርሒ ሰነ ምርመራ ተገይሩላ ኣብ ናይታ መርከብ መንቀሳቐሲ ሓጋዚ ማሽናት ፀገም ከምዝተረኸባ "ኢኳሲስ" ዝተብሃከ ትካል ይገልፅ።

ተንተንቲ ከምዝብሉዎ ምፍራስ ናይቲ ድልድል መራኽብ ወይ ፅዕነት ብኻልእ ነዊሕ ቦታ ክጉዓዛ ስለ ዝገብር ምድንጓይ ብፍጣር ወሰኽ ዋጋ ወይ ወፃኢ ክፈጥር እዩ።

ፈፃሚ ስራሕ ኩባኒያ መመላለሲ ኣቝሑት ፍሌክስት እዚ ሓደጋ እዚ ዓቢ ሳዕቤን ከም ዝህልዎ ብምግላፅ ኣመሪካዊያን ሕፅረት ከምዘጋጥም ክፅበዩ ኣለዎም ኢሉ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG