ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

“ተፍትሽ ሙዚቀኛ ዲዲ ግቡእ ዝሓለወ ኣይኰነን” ጠበቓ


ኣፍራዪን ሙዚቀኛን ሻን "ዲዲ"
ኣፍራዪን ሙዚቀኛን ሻን "ዲዲ"

ፈደራላዊ መርመራ ገበን ኣመሪካ፡ ንመንበሪ ገዛ ህቡብ ኣፍራዪ ድምጻዊን ራፕ ዝዀነ ሻን “ዲዲ” ኮምብስ ንዝግበሮ ተፍትሽ “መጠኑ ዝሓለፎን ወታሃደራዊ ዝመስልን’ዩ፡” ክብል ጠበቓኡ ገሊጹ። እቲ ኣቐዲሙ ፓፍ ዳዲ ብዝብል ናይ መድረኽ ስም ዝጽዋዕ ዝነበረ ሙዚቀኛ፡ ካሰንድራ ቨንቱራ (ካሲ) ብጾታዊ ዓመጽ ድሕሪ ምኽሳሳ’ዩ ናይ ሚያሚን ሎስ-ኣንጀሎስ መንበሪ ገዛውቱ ብፖሊስ ተፈቲሹ።

ኣብቲ ናይ ሎስ-ኣንጀለስ መንበሪ ገዛኡ ኣብ ዝነበረ ተፍትሽ፡ ኣብቲ ገዛ ዝጸንሑ ክልተ ዓበይቲ ደቁ ብፖሊስ ተመቚሖም ክወጽኡ ተገይሮም’ዮም።

እቲ ሙዚቀኛ፡ ምስ ከሳሲቱ ብምርርዳእ ነቲ ክሲ ከም ዝዓጸዉዎ’ዩ ዝምጉት። እቲ ናይ ኣርን ቢን (R&B) ድምጻዊት ኣብቲ ንኣስታት ዓሰርተ ዓመት ዝኸደ ዝምድናኦም ኣካላዊ መጥቃዕቲ፡ ጾታዊ ዓመጽን ጾታዊ ምዝመዛን ከም ዘስዓበላ ትኸስስ።

እዚ ዝደሓረ ኣንጻር ዲዲ ዝቐርብ ዘሎ ክስታት ኣብ ውሑዳት ኣዋርሕ ምስ ጾታዊ ዓመጽን ምዝመዛን ዝተሓሓዝ መበል ራብዓይ ምዃኑ’ዩ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG