ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መርከብ ጽዕነት ሲንጋፖር ምስ ድልድል ባልቲሞር ተራጺማ


ዝፈረሰ ድልድል
ዝፈረሰ ድልድል

ኣብ ክፍለ-ግዝኣት ሜሪላንድ ኣመሪካ ጥቓ ከተማ ባልቲሞር፡ ነዊሕ ድልድል ብሓንቲ መርከብ ኮንተይነራት ተወቒዑ ድሕሪ ምፍራሱ፡ ንዝተሰወሩ 20 ሰባት ኣለሻ ይቕጽል ከምዘሎ ተፈሊጡ።

እታ መርከብ ጽዕነት፡ ምስ’ቲ ‘ፍራንሲስ ስካት በይ’ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ድልድል ምስ ገለ ዓንዱ ምስ ተላተመት፡ ዝነውሐ ክፋል እቲ ድልድል ፈሪሱ ኣሎ። ኣብቲ ናብ ሰሉስ ዘውገሐ ኣስታት ለይቲ ዘጓነፈ ሓደጋ፡ ገለ ይሓልፋ ዝነበራ መካይን ናብቲ ማይ ምጥሓለን ሰብ-መዚ ገሊጾም።

እታ ባንዴራ ሲንጋፖር ተንበልብል መርከብ፡ ቅድሚ’ቲ ሓደጋ ዝወረደሉ ቅድሚ 25 ደቃይቕ፡ ካብ ወደብ ባልቲሞር ተበጊሳ ንሲንጋፖር እያ ተምርሕ ነይራ።

ወናኒ’ታ መርከብ ‘ሲነርጂ ማሪን ኮርፕ’ ድሒሩ ኣብ ዝዘርገሖ መግለጺ ኩሎም ሰራሕተኛታትን መራሕቲን’ታ መርከብ ካብ’ቲ ሓደጋ ከም ዘምለጡ ኣፍሊጡ ኣሎ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG