ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣመሪካ ኣብ መንጎ ክልላት ኦሮሚያን ኣምሓራን ዘጋጥም ዘሎ ጎንጺ ክዓርፍ ትጽውዕ


ኣብ ወረዳታት ጂለን ኤፍራታን ኣብ ቀረበ መዓልታት ብዝተራእየ ጎንጺ ካብ ተወላዶ ብሄረ ኦሮሚያን ኣምሓራን ዝዀኑ ብውሑዱ 27 ሲቪላውያን ዜጋታት ምማቶም ይፍለጥ።
ኣብ ወረዳታት ጂለን ኤፍራታን ኣብ ቀረበ መዓልታት ብዝተራእየ ጎንጺ ካብ ተወላዶ ብሄረ ኦሮሚያን ኣምሓራን ዝዀኑ ብውሑዱ 27 ሲቪላውያን ዜጋታት ምማቶም ይፍለጥ።

ኣምባሳድር ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ኤርቪን ማሲንጋ ኣብ ገጽ ፈይስቡክ ናይቲ ኤምባሲ ሎሚ ኣብ ዝዘርግሖ ሓጺር መልእኽቲ፡ ሃገሩ ኣብ ፍሉይ ዞባ ክልል ኦሮሚያን ሰሜን ሽዋን ናይ ክልል ኣምሓራን ኣብ ቀረባ ሰሙናት ብዝተፈጸመ ቅትለት ሲቪላውያን ዜጋታት ዝተሰምዖ ሓዘን ገሊጹ። መልእኽቲ ኣምባሳድር ማሲንጋ ከም ዝብሎ፡ ህዝቢ ብተደጋጋሚ ግዳይ ምጕስቓልን ቅትለትን ይኸውን ስለ ዘሎ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ድሕነት ዜጋታት ዝፈጥረሉ መንገዲ ከናዲ ጸዊዑ።

“ንብዙሕነት ዝተጠናነገ ጸገማት ኢትዮጵያ እንኮ መፍትሒ ዘተ’ዩ፡” ይብል እቲ ኣመሪካዊ ኣምባሳድር።

ኣብ ወረዳታት ጂለን ኤፍራታን ኣብ ቀረበ መዓልታት ብዝተራእየ ጎንጺ ካብ ተወላዶ ብሄረ ኦሮሚያን ኣምሓራን ዝዀኑ ብውሑዱ 27 ሲቪላውያን ዜጋታት ምማቶም ይፍለጥ። ኣብቲ ንኣምሓራን ኦሮሚያን ዘዳውብ ቦታታት ነበርቲ ካብ ካልእ ወገን ሰጊሮም ብዝመጽኡ ዕጡቓት ፋኖን ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞን ምቕታሎም ክገልጹ ጸኒሖም’ዮም። ሕጂ ግን ኣብቲ ቦታ ተዛማዲ ህዳኣት ሰፊኑ ምህላዉ ወኪላትና ኣመልኪቶም።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG