ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓላፊት ቢሮ ስደተኛታት ኣመሪካ ናብ ኢትዮዕጵያን ጫድን ክትጓዓዝ’ያ


ጁሌት ቫልስ ኖየስ
ጁሌት ቫልስ ኖየስ

ኣብ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ኣመሪካ ሓላፊት ቢሮ ቢሮ ህዝቢን ስደተኛታትን ጁሌት ቫልስ ኖየስ ካብ 18 ክሳብ 23 መጋቢት (ሰኑይ ክሳብ ዓርቢ) ኣብ ኢትዮጵያን ጫዳን ዑደት ስራሕ ክትገብር ምዃና ካብ ቤት ጽሕፈታ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ኣመሪካ ዝተረኽበ ሓበሬታ የረድእ። ኣብቲ ዑደት፡ ኖየስ ምስ መንግስታውያንን በርጌሳውያንን ማሕበራት ከምኡ’ውን ስደተኛታትን ሰብኣዊ ረድኤት ዘብጽሓ ትካላትን ክትራኸብ ምዃና እቲ ሓበሬታ የረድእ። ዑደት እቲ ኣመሪካዊት በዓልቲ-መዚ ነቲ ኣብ ታሕሳስ 2023 ዝተተለመ ንጉዳይ ስደተኛታት ኣመልኪቱ ዝወጽእ መደብ ንምክትታል’ዩ። ኣብ ናይ ጫድ ዑደታ ኖየስ፡ ቀንዲ ኣተኵሮኣ ብዛዕባ ካብ ሱዳን ዝመጽኡ ስደተኛታት፡ ኩነታቶም ምስ መንግስቲ ጫድ ንምዝታይ ክኸውን’ዩ--ከም መግለጺ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ኣመሪካ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG