ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

በኒን ንምውሓስ ጸጥታ ሀይቲ ዝሰርሑ 2-ሽሕ ወታሃደራት ንምልኣኽ ቅሩብነታ ትገልጽ


ፖሊስ ኬንያ ኣቐዲሞም ንሀይቲ ንምኻድ ድሉውነቶም ገሊጾም'ዮም
ፖሊስ ኬንያ ኣቐዲሞም ንሀይቲ ንምኻድ ድሉውነቶም ገሊጾም'ዮም

ኣብ ጎኒ ፖሊስ ሀይቲ ኮይኖም ንህውከት ዓዋሉ ንምቍጽጻር ዝሕግዙ 2000 ወተሃደራት ሃገረ ቤኒን ንኸተዋፍር ምሕታታ፡ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኣምባሳደር ኣመሪካ ሊንዳ ቶማስ ግሪንስፍልድ ኣፍሊጠን።

ወታሃደራት ቤኒን፡ ኣካል’ቶም ብሕቡራት ሃገራት ዝተፈቕደሉ፡ ኬንያ ትመርሖ ልእኽቶ ከምዝኾኑ’ውን እቲ ዜና ይሕብር።

ብመሰረት ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት፡ ብሰንኪ ዕዋሉ ዘንገስዎ ህውከት፡ ኣብ ሀይቲ ኣስታት 5-ሽሕ ሰባት ተቐቲሎም፣ ኣስታት 300-ሽሕ ሰባት ድማ ካብ መንበሪኦም ተፈናቒሎም እዮም።

ኣመሪካ ንምዕዋት ወፍሪ ሀይቲን ቁጽጽር ዘይሕጋዊ ኣጽዋርን ኣብ ሃገራት ካሪብያን፡ ክሳብ 200 ሚልዮን ዶላር ከም እትምድብ ኣፍሊጣ እያ።

ኬንያ ክሳብ ሓደ ሽሕ ሰራዊት ናብ ሀይቲ ንኽተዋፍር ቅርብቲ ምዃኑ ገሊጻ ነይራ። እንተኾነ ታሕተዋይ ቤት ፍርዲ’ታ ሃገር፣ እቲ ተበግሶ ሕገ መንግስታዊ ኣይኮነን ክብል ኣጊድዎ ኣሎ። ፕረዚደንት ኬንያ ግን "ሕቶ ቤት ፍርዲ ኣማሊእና፡ እቲ ወፍሪ ክቕጽል እዩ፡" ምባሎም’ውን ዝመጸ ዜና ሮይተርስ ይሕብር።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG