ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሳንፍራንሲስኮ ንጸለምቲ ነበርቲ ይቕረታ ትሕትት፡ እቲ ትጽቢት ግን ኪንዮኡ’ዩ


ተናበይቲ ጎደና ከተማ ሳንፍራንሲስኮ 38% ጸለምቲ ምዃኖም'ዩ።
ተናበይቲ ጎደና ከተማ ሳንፍራንሲስኮ 38% ጸለምቲ ምዃኖም'ዩ።

ሰብ-መዚ ከተማ ሳንፍራንሲስኮ ንኣፍሪቃዊ መበቆል ዘለዎም ነበርቲ እታ ከተማ፡ ኣብ ወለዶም ብዝተፈጸመ በደል፡ ትማሊ ሰሉስ ወግዓዊ ይቕረታ ሓቲቶም። እዚ ወለዶታት ነበርቲ ሳንፍራንሲስኮ ኣብታ ከተማ ብሰንኪ ሕብሪ ቆርበቶም ንዘሕለፉዎ ኣድልዎን ብሰንኩ ንዝወረዶም ወጽዓን ኣፍልጦ ዝህብ’ዩ።

ሳንፍራንሲስኮ ንጸለምቲ ነበርቲ ይቕረታ ትሕትት፡ እቲ ትጽቢት ግን ኪንዮኡ’ዩ
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:52 0:00

ሳንፍራንሲስኮ ዝወሰደቶ ስጕምቲ፡ ነቲ ኣቐዲሙ ብገለ ክፍለ-ሃገራትን ከተማታትን ዝተገብረ ወግዓዊ ይቕረታ ምሕታት ዝስዕብ ዘሎ’ዩ። እዚ ከኣ መበገሲ ናይቲ ኣብ ልዕሊ ጸለምቲ ኣመሪካውያን ብሰንኪ ጊልያነትን ድሕሪኡ ዝሰዓበ ዓሌታዊ ኣድልዎን ኣብ ዝግበር ካሕሳን ኣፍልጦን መጀመሪ እምበር መወዳእታ ኣይክኸውንን’ዩ።

እቲ ንድፊ ብምሉእ ድምጺ ኣባላት ፈጻሚት ቦርድ እታ ከተማ፡ ማለት 11 ድጋፍ፡ ኢዩ ሓሊፉ ዘሎ። በዚ ድማ ከተማ ሳንፍራንሲስኮ ነዚ ወግዓዊ ይቕረታ ብምግባር ንኸተማ ቦስቶን ትሕወሳ ኣላ። እዚ ኣርእስቲ ንነዊሕ እዋን ከዘራርብ ዝጸንሐ ኰይኑ፡ ድሮ ካብ ምሉእ ኣመሪካ ትሽዓተ ክፍለ-ሃገራት ንጸልመቲ ኣመሪካውያንን ዝበጽሖም ታሪኻዊ በደልን ይቕረታ ሓቲተን ኣለዋ።

እንተዀነ እቲ ዛዕባ ይቕረታ ብምሕታት ጥራይ ደው ዝብል ኣይኰነን። እቲ ቀንዲ ዘዛርብ ጉዳይ ካሕሳን ዳግመ-ሕውየትን ኰይኑ፡ ምስ’ዚ ጉዳይ ተተሓሒዞም ናብ ምምሕዳር ከተማ ሳንፍራንሲስኮ 100 ውጥን ቀሪቡላ ኣሎ።

ኣብ ጉዳይ ካሕሳ ጸልምቲ ኣመሪካውያን ዝጣበቕ ኮሚተ፡ ቀዳሞት ወለዱ ኣብታ ከተማ ዓሌታዊ ኣድልዎ ጎኒፉዎም ንዝተባህሉ ኣፍሪቃውያን ኣመሪካውያን ንነፍሲ-ወከፎም ሓሙሽት ሚልዮን ዶላር ካሕሳ ክወሃቦምን ንዝመጽእ ድማ ዓመታዊ 100-ሽሕ ደሞዝ ክስልዓሎምን እማመ ኣቕሪቡ ነይሩ። እዚ ነቶም ምጽራይ ተገይሩ ኣብታ ከተማ፡ ኣቦታቶምን እነሓጎታቶም ዓሌታዊ ኣድልዎ ከም ዝተፈጸሞም ዝረጋገጽ ምዃኑ’ዩ።

ኣብቲ ትማሊ ዝተኻየደ ርክብ እታ ከተማ እዚ ናይ ካሕሳ መጠን ኣይተላዕለን። እንተዀነ እቲ ኣብ ልዕሊ ጸለምቲ ነባሮ እታ ከተማ ዝወርድ ዓሌት ተኰር ኣድልዎ ገና ኣይተዓጽወን። ንዝምጽእ ወርሒ መጋቢት ከተማ ሳንፍራንሲስኮ ንድሕነት ብጻዕቂ ጸልምቲ ኣብ ዝርከቡሉ ከባቢ ዘሎ ሃጓፍ ክዝትዩሉ ኢዮም።

ብዘይካኡ ከተማ ሳንፍራንሲስኮ እናሰፍሐትን ዓበይቲ ኣውፈርቲን ኣብ እትስሕብሉ እዋን፡ እቶም ቀዳሞት ግዳይ ምድፋእ ናብ ዝረሓቐ ከባቢ ዝዀኑ ጸለምቲ’ዮም። ካብ መንጎ ናይ ትማሊ ሰሉስ መዘራረቢ ኣርእስቲ እምበኣር፡ እቶም ይቕረታ ዝሓተቱ’ውን ንኣባይቲ ጸለምቲ ገዚኦም ካልእ ዓበይቲ ህንጻታት ብምስራሕ ኣብ ምውጻኦም ይሰርሑ ከም ዘለዉ’ዩ። እዚ ድማ እቲ ዓሌታዊ ኣድልዎ ብኻልእ መልክዑ ይቕጽል ምህላዉ ተጣበቕቲ ይምጕቱ።

ኣብ ልዕሊ ጸለምቲ ዝወርድ በደል ግድን ብጸዓዱ ኣመርሓደርቲን ከንቲባታትን እታ ከተማ ጥራይ ኣይኰነን። ካብ መንጎ’ቶም ተሓለቕቲ ትማሊ ሰሉስ ዝተዛረቡሉ ሓደ ኣብነት ብከንቲባ ሎንዶን ብሪድ (ጸላም ምዃና’ያ) ንወልፊ ዘለዎም ነበርቲ እታ ከተማ ዝርአ ኣድልዎን ንፖሊስ ተወሳኺ ስልጣን ዝህብ ኣገባብ ምሕደራን’ዩ። ነቐፍቲ እቲ መስርሕ ገና ይቕጽል ምህላዉን ንበይኑ ይቕረታ ምሕታት ኣኻሊ ዘይምዃኑን ይነግሩ።

ጸልምቲ ነባሮ ከተማ ሳንፍራንሲስኮ 6% ጥራይ’ዮም። እንተዀነ ኣስታት 38% ተናበይቲ ጎደና እታ ከተማ ጸለምቲ ምዃኖም’ዩ። እዚ ከኣ ኣብ ዝተሓተ ብርኪ መነባብሮ ዘለዉን ገና’ውን እቲ ሰንሰለታዊ በደል ከም ዘይረሓቕዕምን ኣብነት ምዃኑ እቶም ንኻሕሳ ዝሓቱ ወገናት ይዛረቡ።

ከንቲባ ብሪድ እቲ ካሕሳ ናይ ምኽፋል መስርሕ ብኸተማ ዘይኰነስ ብምሉእ ሃገር ክተሓዝ ከም ዘለዎ ትምጕት።

ኣብዚ እዋን ኣብ ከተማ ሳንፍራንሲስኮ ዝነብሩ 46-ሽሕ ጸለምቲ ምዃኖም ሓበሬታ ኣገልግሎት ዜና ኣሶሸትድ ፕረስ የመልክት። እታ ከተማ ድማ ኣብ 2020 ንኻሕሳ ጸለምቲ ዘጸንዕ ኮሚተ ኣቚማ’ያ። እዚ ተበግሶ ካብ ምሉእ ሃገር ፈላማይ ምዃኑ’ዩ። እታ ኮሚተ ግን ኣብ 2023 ፈሪሱ’ዩ። እንተዀነ፡ ቅድሚ ምፍራሱ ካብ ዘቕረቦ ወሰንቲ ሓሳባት ንተወላዶ ጊልያታት ዝዀኑ ነበርቲ እታ ከተማ ወርሓዊ ሓደ መጠን ክፍሊት ክስልዓሎም ዝብል’ዩ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG