ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቀ/ሚ ኣቢይ ምስ ፕረዚደንት ሩቶ ተራኺቦም


ንኽብሪ ቀ/ሚ ዝተበግረ ኣቀባብላ
ንኽብሪ ቀ/ሚ ዝተበግረ ኣቀባብላ

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ፡ ፕረዚደንት ኬንያ ዊልያም ሩቶ ብዝግበሩሎም ዕድመ ሎሚ ረቡዕ ናይሮቢ ኣትዮም ኣብ ክልተኣዊን ዞባዊን ጉዳያት ኣተኲሮም ይመያየጡ ምህላዎም ኣገልግሎት ዜና ኣሶሸትድ ፕረስ ኣመልኪቱ።

ብምረሻ ባንድ ዝተሰነየ ወግዓዊ ኣቀባብላ ዝተገብረሎም ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ንናይ ክልተ መዓልታት ዑደት ስራሕ’ዮም ናይሮቢ ዘለዉ።

ኣብቲ ረቡዕ ዝቐረበ እንግዶት ቀደማይ ሚኒስተር ኣቢይ ምስ ኬንያ ኣብ ቁጠባዊ ሽክርነት ሓቢሮም ክሰርሑ ዘለዎም ድሌት ጠቒሶም። ከም ኣገላልጻ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ፡ ሓበራዊ ቍጠባዊ ሽርክነት ንኣህጉር ኣፍሪቃ ኪንዮ ፖለቲካዊ ጽግዕተኝነት በሪ ቍጠባዊ ሓርነት’ውን’ዩ፡” ኢሎም።

ከም ሓበሬታ ኣገልግሎት ዜና ኣሶሸትድ ፕረስ ቀንዲ መዘራረቢ ኣርእስቲ ክልተ መራሕቲ፡ እቲ ኣብ ባሕቲ ጥሪ ኣብ መንጎ ርእሰ-ምምሕዳር ሶማሊላንድን ኢትዮጵያን ዝተፈረመ ስምምዕ መዘከር’ዩ።

ብዛዕባ ርክብ መራሕቲ ክልተ ሃገራት ዝወጽአ ወግዓዊ መግለጺ ዛጊት የሎን። እንተዀነ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ ማሕበራዊ ገጻት ኤክስ፡ ምስ ፕረዚደንት ዊልያም ሩቶ ኣብ ክልተኣዊ ዝምድናን መጻኢ ሓባራዊ መደባትን ኣተኲሮም ብሰፊሕ ምዝርራቦም ኣመልኪቶም። ክልተ መራሕቲ ብሓባር ንምስራሕ ኣብ ስምምዕ ምብጻሖም’ውን መልእኽቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ይጠቅስ።

መዘከር ስምምዕ ኢትዮጵያን ርእሰ-ምምሕዳር ሶማሊላንድን ዞባዊን ዓለማዊን መግለጺታትን ዳግመ-ስርርዕ ጎረባብቲ ሃገራትን ከም ዘኸተለ ይዝከር። ድሕሪ ናይ ሰለስተ መዓልታት ዑደት ስራሕ ኣብ ግብጺ፡ ትማሊ ናብ ኣስመራ ዝተመልሱ ፕረዚደንት ኤርትራ ኣቶ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ’ውን ምስ ግብጻዊ መዘናኦም ነቲ ጉዳይ ኣልዒሎም ምዝርራቦም ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ጠቒሱ ነይሩ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG