ንሰለስተ መዓልታት ዑደት ስራሕ ግብጺ ከይዱ ዝቐንየ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ሎሚ ሰሉስ ኣስመራ ምምላሱ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ኣብ ማሕበራዊ ገጻት ኤክስ ኣካፊሉ።
ምስ ፕረዚደንት ግብጺ ዓብደልፈታሕ ኣላሲሲ ኣብ ምሕያል ክልተኣዊ ዝምድና፡ ጉዳይ ዘላቒ ሰላም ሱዳንን ጸጥታ ቀይሕ ባሕሪን ምዝርራቦም ዘመልከተ መግለጺ ሚኒስተር ዜና፡ ግዝኣታዊን መሬታዊ ሓድነት ሶማል ክኽበር ክልተ መራሕቲ ምዝታዮም’ውን ኣመልኪቱ ኣሎ።
ከም ሓበሬታ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ንመሬታዊ ሓድነት ሶማል ዝትንክፍ ወስታታት ብዅልንትናኡ ከም ዝነጽጉን ከም ዝቃወሙን እቶም መራሕቲ ምዝርራቦም ተመልኪቱ ኣሎ።
ድሕሪ ስምምዕ መዘከር ርእሰ-ምምሕዳር ሶማሊላንድን ኢትዮጵያን፡ መራሕቲ ግብጺ ዓብደልፈታሕ ኣልሲሲ፡ ሶማል ክትውረር ስቕ ኢሎም ከም ዘይርእዩ ሓቢሩ ምንባሩ ይዝከር።
ንሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ዝሓቘፈ ጕጅለ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ቀዳም ናብ ግብጺ ዝበጽሐ፡ ኣቐዲሙ ሚኒስተር ወጽኢ ጉዳያት ግብጺ ሳምሕ ሹክርይ ናብ ኣስመራ መጺኡ ድሕሪ ዝግበሮ ዕድመ’ዩ።
ቅጥዒ