ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፖላንድን ፈረንሳይን ሰራዊት ናብ ዩክሬን ንምስዳድ መደብ ከም ዘይብለን መራሕተን ይነግሩ


ማእከላይ ቤት ጽሕፈት ኔቶ
ማእከላይ ቤት ጽሕፈት ኔቶ

ኣባላት ሃገራት ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ (ኔቶ)፡ ብቐንዱ ድማ ፈረንሳይን ፖላንድን ሰራዊተን ናብ ዩክሬን ንምስዳድ መደብ ኣለወን ንዝብል ክሲ ሩስያ መራሕቲ ክልተ ሃገራት ኣሉታዊ ምላሽ ሂቦምሉ።

መራሒ እቲ ኔቶ፡ ኣመሪካ’ውን ብተመሳሳሊ ወታሃደራት ናይ ምስዳድ መደብ ከም ዘይብላ ገሊጹ ኣሎ።

ውግእ ዩክሬን ናብ ሳልሳይ ዓመቱ ኣብ ዝሰጋገረሉ ዘሎ እዋን ፕረዚደንት ፈረንሳይ ኢማኑል ማክሮን፡ “ኔቶ ሰራዊት ንምልኣኽ ከም ተኽእሎ ክህሉ ይኽእል’ዩ፡” ድሕሪ ምባሉ’ዩ ኣብቲ ዞባ ሓድሽ ምትፍናን ፈጢሩ ዘሎ። ክረምሊን፡ ሃገራት ኔቶ ወተሃደራትን እንተ ልኢኸን ንዕኡ ዝመጠጠን ምቅርራባት ክትገብር ምዃና ኣጠንቂቓ ኣላ።

እንተዀነ ወታሃደራት ብቐጥታ ናይ ምስዳድ መደብ ከም ዘይብሎም መራሕቲ ፈረንሳይን ፖላንድን ሎሚ ኣነጺሮም ኣለዉ።

ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ ኣብ ውግእ ዩክሬን ብተዘዋዋሪ ይሳተፍ ምህላዉ ኣይከሓድን። እንተዀነ ኣባል ሃገር ንዘይኰነት ዩክሬን ናይ ምክልኻል ግዴታ ስለ ዘይብሉ፡ ክሳብ ሕጂ እቲ ምትሕግጋዝ ብርሑቕ ጥራይ’ዩ ጸኒሑን ዘሎን።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG