ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

"ሃገራዊ ምርጫ ሴነጋል ንሓምለ ክካየድ'ዩ" ፕረ. ማኪ ሳል


ሰፋሕቲ ተቓውሞታት ዝሰዓበ ምድንጓይ ምርጫ ሴነጋል
ሰፋሕቲ ተቓውሞታት ዝሰዓበ ምድንጓይ ምርጫ ሴነጋል

ፕረዚደንት ሰኔጋል ማኪ ሳል ኣብ ዝመጽእ ሓምለ ወርሓት ዝናብ ቅድሚ ምጅማሩ ምርጫ ክካየድ'ዩ ክብሉ ንሃገራዊ ምኽክር ተዛሪቦም። እቶም ፕረዚደንት ቅድሚ'ቲ ኣብ መወዳእታ ዝመጽእ ሚያዝያ ዘብቅዕ እዋን ዘመን ስልጣኖም ከም ዝሰናበቱ ድርጊሞም ተዛሪቦም'ለዉ።

እንተኾነ እቶም 16- ሕጹያት ተወዳደርቲ መሰረት'ቲ ናይ ዝሓለፈ ወርሒ ቤት ፍርዲ ዝሃቦ ውሳነ ብቕልጡፍ ዕለት ምርጫ ክግለጽ ኣለዎ ብምባል ኣብቲ ሃገራዊ ልዝብ ምክፋል ኣብዮም'ዮም።

ድሕሪ ክልተ እብረ ስልጣን እንደገና ከም ዘይወዳደሩ ዝገለጹ ፕረዚደንት ማኪ ሳል መን'ዩ ኣብቲ ምርጫ ዝወዳደር ብዝብል ምስሕሓብ፡ ነቲ እዋን ምርጫ ብዓሰርተ ኣዋር ሕ ኣናዊሖሞ'ዮም። ሕገ-መንግስታዊ ቤት ፍርዲ'ታ ሃገር ከኣ ነቲ ውሳነ ተቓዊሙዎ'ዩ።

እቲ ሃገራዊ ምኽክር ኣብ መንጎ ህዝብን ፖሎቲከኛታትን ምትእምማን ንምፍጣር ዝዓለመ'ዩ።

ብኻልእ ፈተነ ከኣ ፕረዚደንት ሳል ገለ እዋን ኣብ እዋን ተቓውሞ ሰልፍታት ንዘጋጠመ ሞትን ማእሰርቲ ኣማኢትን ብጅምላ ምሕረት ዝገብር ሕጊ ከም ዘቕርቡ ኣፍሊጦም'ለዉ። ካብዚ ሕጊ መን ከም ዝርባሕ ንጹር ኣይኮነን። ተኣሲሮም ንዘለዉ ከይወዳደሩ ዝተኸልከሉን መራሒ ተቓዋሚ ፖሎቲካ ዑስማን ሶንኮ ኣካል'ቲ ዝብሃል ዘሎ ምሕረት እንተዀይኖም'ውን ኣይተነጸረን።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG