ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ህንዲ ካልእ ተልእኾ ጠፈር ንምብጋስ ተዳሎ


ተልእኾ ጠፈር ህንዲ
ተልእኾ ጠፈር ህንዲ

ቀዳማይ ሚንስተር ህንዲ ናረንድራ ሞዲ፡ ኣካል`ቲ ህንጡይ ተልእኾ ጠፈር ዝኾኑ ኣባላት እቲ ጉጅለ ሎሚ ሰሉስ ወግዓዊ ገይሩ።

እቲ “ጋጋንያን” ተባሂሉ ዝተሰምየ ተልእኾ ጠፈር፡ ዕላማኡ ሰብ ዝነብረላ መንኮርኮር ብምምዕባል እታ መንኮርኮር ሰለስተ ሰባት ሒዛ ንንሰለተ መዓልታት ናይ 400 ኪ.ሜ ዑደት ብምግባር ናብ መሬት ተመሊሳ ኣብ ህንዳዊ ውቅያኖስ ክትወርድ`ያ ተመዲቡ ዘሎ።

ኣስታት $1.1 ቢልየን ዶላር ተመዲቡ`ሎ ነዚ ዳሕራዋይ ተልእኾ ጠፈር፡ ህንዲ ቅድሚ ሎሚ`ውን “ቻንድራያን-3” ዝተባህለት መንኮርኮር ኣብ ደቡባዉ ጫፍ ወርሒ ብምዕላብ ታሪኻ ፈሊማ`ያ።

እዛ ዳሕረወየቲ ድማ ኣብዚ ዓመት`ዚ ክትውንጭፋ መደብ ኣለዋ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG