ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

“እስራኤል ኣብ እዋን ጾም ሮሞዳን መጥቃዕቲ ቓዛ ከተቋርጾ’ያ፡” ፕረ. ባይደን


ፕረዚደንት ጆ ባይደን ኣብ ስቱድዮ መደበር ቴለቪዥን ኤን.ቢ.ሲ (NBC)
ፕረዚደንት ጆ ባይደን ኣብ ስቱድዮ መደበር ቴለቪዥን ኤን.ቢ.ሲ (NBC)

ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ምስ መደበር ቴለቪዥን ኤን.ቢ.ሲ (NBC) ኣብ ዝገበሮ ጻንሒት፡ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ወሽመጥ ቓዛ ከተካይዶ ዝጸንሐት ደብዳብ ኣብ እዋን ጾም ሮሞዳን ደው ከተብሎ ምዃኑ ገሊጹ።

እዚ ዝኸውን ዘሎ መራሕቲ በበይነን ሃገራት ዓረብ በቲ 10 መጋቢት ዝጅምር ቅዱስ ወርሒ ጾም ሮሞዳን ሻቕሎቶም ይገልጹሉ ኣብ ዘሎ እዋን’ዩ።

ፕረዚደንት ባይደን ኣብ ዘረባኡ፡ ኣብ መንጎ ሓማስን እስራኤልን ተጻብኦ ንምቍራጽ ናይ መትከል ምስምማዕ ከም ዘሎ ገሊጹ። እቲ ምቍራጽ ተጻብኦ ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ክግበር ዘለዎ ተስፋ’ውን ኣካፊሉ።

ጉጅለ ሓማስ ብ7 ጥቅምቲ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ፈጺሙ 1200 እስራኤላውያን ቀቲሉ ልዕሊ 250 ጅሆ ምውሳዱ ይዝከር። እስራኤል ብድሕሪ ዝግበረቶ ግብረ-መልሳዊ መጥቃዕቲ ድማ ዛጊት 30-ሽሕ መብዛሕትኦም ቆልዓ-ሰበይቲ ዝዀኑ ፍልስጤማውያን ምቕታላ ሚኒስትሪ ጥዕና ቓዛ ይሕብር።

እስራኤል ንሓማስ ምሉእ ብምሉእ ከይደምሰሰት ከም ዘይትዓርፍ’ያ ደጋጊማ ክትገልጽ ጸኒሓ። እንተዀነ፡ ቀንዲ ግዳያት መጥቃዕቲ እስራኤል ሲቪላውያን ብምዃኖም ነቲ እተካይዶ ዘሎ መጥቃዕቲ ደው እንተ ዘየቢላ ካብ ፈተውቲ እስራኤል ዝስዕብ ዝነበረ ድጋፍ ከቋርጽ ምዃኑ ፕረዚደንት ባይደን ኣጠንቂቑ ኣሎ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG