ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሩስያ፡ ንኤርትራ ዝሓወሰ ናብ ሽዱሽተ ሃገራት ኣፍሪቃ ሓገዝ እኽሊ ልኢኻ


ሓረስቶት ሩስያ
ሓረስቶት ሩስያ

ንሚኒስርትሪ ሕርሻ ሩስያ ብምጥቃስ ኣገልግሎት ዜና ሮይተስ ከም ዘስፈሮ፡ ሩስያ ናብ ሽዱሽተ ሃገራት ኣፍሪቃ 200-ሽሕ ሜትሪክ ቶን ዝዓቐኑ ሓገዝ እኽሊ ልኢኻ። እዚ ሓገዝ ኣካል’ቲ ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ኣብ ዋዕላ ሩስያ ኣፍሪቃ ዝገበሮ ቃል ኰይኑ፡ ነዚ ሓገዝ ዝቕበላ ሃገራት ሶማሊያ ማእከላይ ርፓብሊክ ኣፍሪቃ፡ ማሊ፡ ኤርትራ፡ ቡርኪና-ፋሶ፡ ዚምባባወን’የን።

ሚኒስትሪ ሕርሻ ሩስያ ከም ዝጠቐሶ፡ በዚ ሓገዝ ሶማልን ማእከላይ ርፓብሊክ ኣፍሪቃን ነፍሲ-ወከፈን ናይ 50-ሽሕ ሜትሪክ ቶን ሓገዝ ክበጽሐን እንከሎ፡ ንኤርትራ ዝሓወሳ ኣርባዕተ ሃገራት ድማ ነፍሲ-ወከፈን 25-ሽሕ ሜትሪክ ቶን ክበጽሐን’ዩ።

ሚኒስትሪ ሕርሻ ሩስያ ሰሉስ'ዩ ነቲ ናይ ምስዳድ መስርሕ ወግዓዊ ገይሩ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG