ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መምሃራን ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ልዕሊ ፍርቂ ደመዞም ብዘይ ድሌት ምቝራጹ ይሕብሩ፡ ምምሕዳር ግን ይቃወም


ኣብ ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ዞባ ኣሪ፡ ምምሕዳር ከተማ ጂንካ ልዕሊ 600 መምህራን ንልምዓት ብዝብል ካብ ናይ ወርሒ ጥሪ ደሞዞም ልዕሊ ፍርቂ ብኣስገዳድ ምቑራፁ ንድምፂ ኣመሪካ ገሊፆም።

ንልምዓት ከም ዝድግፉ ዝተዛረቡ መምህራን ኣብዚ እዋን ናህሪ ዋጋ ደመዞም ምቑራፁ ግን "ናብራና ካብ ዝገደደ ናብቲ ዝኸፍአ ኣስጊሩዎ ኣሎ፡" ኢሎም።

ኣቦ-መንበር ማሕበር መምህራን ናይቲ ዞባ ኣቶ ጌታቸው ገለቱ ናይቶም መምህራን ፍቓድ ከይተሓተተ ካብ ወርሓዊ መሃይኦም ፍርቂ ከም ዝተቖረፆም ንድምፂ ኣሜሪካ ገሊፆም።

መምህራን መሰሎን ንምኽባር ኣብ ዘካየድዎ ምንቅስቓስ ኣብ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ንዝፍጠር ፀገም ማሕበር መምህራን ሓላፍነት ኣይወስድን እውን ኢሎም ኣቶ ጌታቸው።

ምምሕዳር እታ ከተማ ኣብ ዝሃቦ መልሲ፡ ደሞዝ ዝተቖረፀ ምስቶም መምህራን ጥራሕ ከይኰነስ ብሓፈሻ ምስ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ምይይጥ ተኻይዱ ድሕሪ ምውሳኑ ምዃኑ ገሊፁ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG