ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሬሳታት ኣብ ደ/ር/ኮንጎ ዝተቐትሉ ወታሃደራት ደ/ኣፍሪቃ ኣትዩ


ኣባላት ዓቃብ-ሰላም ሰራዊት ደቡብ ኣፍሪቃ
ኣባላት ዓቃብ-ሰላም ሰራዊት ደቡብ ኣፍሪቃ

ኣብ ደሞክራሲያዊት ርፓብሊክ ኮንጎ ብዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ሞርታር ዝተቐተሉ ሬሳ ክልተ ወታደራት ደቡብ ኣፍሪካ ናብ ዓዶም ተመሊሱ።

ደቡብ ኣፍሪካ ኣብ ልኡኽ ማሕበረሰብ ልምዓት ደቡብ ኣፍሪካ ወታሃደራት ንምውፋይ ዝወሰደቶ ውሳነ ብቀንዲ ተቓዋሚ ከም ጌጋ ተኾኒኑ ኣሎ።

ሚኒስተር ምክልኻል ታንዲ ሞዲሰ ግን ንሬሳ ናይቶም ወታደራት ኣብ ፕሪቶሪያ ኣብ ዝተቐበለሉ ግዜ ነቲ ዴሞክራቲክ ኣላያንስ ዝተብሃለ ተቓዋሚ ዝበሎ ‘’ውፁእ ሓሶት’’ ኢሉዎ።

እቶም ወታደራት ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን እዮም ኣብቲ ሒዞምዎ ዝነበሩ ቦታ ብዝወደቐ ሞርታር ዝተቐተሉ።

ደቡብ ኣፍሪካ 2,900 ወታደራታ ናብ ምብራቓዊ ደሞክራሲያዊ ርፓብሊክ ኮንጎ ኣብ ታሕሳስ ካብ እትልእኽ ዘጋጠማ ፈላማይ ሞት እዩ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG