ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ብራዚላዊ ተጻዋታይ ዳኒ ኣልቨዝ ብኽሲ ጾታዊ ዓመጽ ንኣርባዕተ ዓመትን ፈረቓን ማእሰርቲ ተፈሪዱ


ተሰላፊ ሃገራዊት ጋንታ ብራዚል ነበር ዳኒ ኣልቨዝ
ተሰላፊ ሃገራዊት ጋንታ ብራዚል ነበር ዳኒ ኣልቨዝ

ተጻዋታይ ሃገራዊት ጋንታ ብራዚልን ክለብ ባርሰሎናን ዝነበረ ዳኒ ኣልቨዝ፡ ኣብ ድሮ ሓድሽ ዓመት 2023 ኣብ ባርሰሎና ብዝፈጸሞ ጾታዊ ዓመጽ፡ ቤት ፍርዲ ገበነኛ ኰይኑ ስለ ዝረኸቦ ንኣርባዕተ ዓመትን ሽዱሽተ ኣዋርሕን ማእሰርቲ ከምኡ’ውን 150-ሽሕ ዩሮ መቕጻዕቲን ተፈሪዱ። ቤት ፍርዲ ባርሰሎና፡ ነቲ ወዲ 40 ዓመት ተጻዋታይ ነበር ንዝመጽእ ትሽዓተ ዓመታት ብዝዀነ ይዅን መራኸቢታት ክረኽባ ከይፍትን’ውን ኣጊዱዎ ኣሎ።

ጠበቓ ኣልቨዝ ይግባይ ከም ዝብል ኣመልኪቱ ኣሎ።

ከሳሲት፡ ዳኒ ኣልቨዝ ኣብ ሓደ ለይታዊ ትልሂት፡ ኣብ ድሮ ሓድሽ ዓመት ኣብ ዓይኒ ምድሪ እቲ መዘናግዒ ቦታ ከም ዝዓመጻ’ያ ከሲሳ። ቤት ፍርዲ’ውን ነቲ ጾታዊ ርክብ ምሉእ ፍቓድ ከም ዘይነበራ ኣመልኪቱ ኣሎ።

ዳኒ ኣልቨዝ ምስ ክለባት ባርሰሎና፡ ፓሪስ ሰንት ጀርማይን ጁቨንቱስን ዝተጻወት ኰይኑ፡ ምስ ሃገራዊት ጋንታ ብራዚል ድማ ክልተ እዋን ዋንጫ ኮፓ ኣመሪካ ኣብ ምውሳድ ተሰሊፉ’ዩ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG