ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዙር ሩዋንዳ ፈሊሙ፡ መርሃዊ ቅዱስ ዝበለጸ ኣፍሪቃዊ ተቐዳዳሚ ተሰይሙ


ዙር ሩዋንዳ
ዙር ሩዋንዳ

ብዓለማዊ ፈደረሽን ብሽክለታ (UCI) ናይ ደረጃ 2.1 መዐቀኒ ዘለዎ፡ ሸሞንተ መድረኻት ዝሽፍን ዙር ሩዋንዳ ሎሚ ሰንበት ፈሊሙ ኣሎ። ኣብቲ ናይ ፈለሚ መድረኽ ብጋንታታት ናይ ግዜ ዝተታሕዘ ውድድር (ክሮኖ ሜተር)፡ ጀርመናዊት ጋንታ ሶዳል ኲክ ስቴፕ (Soudal - Quick-Step) ብእስራኤላዊት ጋንታ እስራኤል ፕሪመር ቴክ (Israel - Premier Tech) ተኸቲላሳብ ዝተዓወተትሉ፡ ሳልሰይቲ ድማ ሎቶ-ደስትንይ (Lotto Dstny Development Team) ኰይና ኣላ። ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ሻዱሽይቲ ኰይና ውድድራ ዛዚማ። ኣብዚ መኽፈቲ ናይ ግዜ ውድድር ኣእንጋዲት ሃገር ሩዋንዳ ታሽዓይቲ ተሰሪዓ ኣላ።

ኣብዚ ካብ 19 ዓበይቲ ክለባት ብሽክለታ ዓለም 195 ተቐዳደምቲ ዝተፉሉ ዘለዉ ዙር ሩዋንዳ 2024፡ ኣምበለ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ዝዀነ መርሃዊ ቅዱስ ዝበለጸ ኣፍሪቃዊ ተቐዳዳሚ ተባሂሉ ክሽለም እንከሎ፡ ወዲ-ሃገሩ ኣኽሊሉ ኣረፋይነ ድማ ዝበለጸ መንእሰይ ኣፍሪቃዊ ተቐዳዳሚ ተጸዊዑ ኣሎ።

ዙር ሩዋንዳ፡ ንኸም በዓል ኣብ ዙር ፍረንሳይ ኣርባዕተ እዋን ዝተዓወተ ክሪስ ፍሩም ዝሓቘፈ’ዩ።

ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ውድድር ዙር ሩዋንዳ፡ ካብ መንጎ’ተን 19 ጋንታት፡ እተን ሽዱሽተ ሃገራውያን ጋንታታት ኣፍሪቃ’የን። ንሳተን ድማ ኣእጋዲት ሃገር ሩዋንዳ፡ ኤርትራ፡ ኢትዮጵያ፡ ኣልጀሪያ፡ ደቡብ ኣፍሪቃን ማውሪሸስን’የን።

መሰልጣኒ ማእከል ፈደረሽን ብሽክለታ ዓለም (UCI) ኣብ ዙር ሩዋንዳ ሕርይራይ ጋንታ ገይሩ ዝሳተፍ ዘሎ ኰይኑ፡ ካብ መንጎኦም ድማ ኤርትራዊ ዓወት ኣማንን ኢትዮጵያዊ ጽጋቡ ገብረማርያምን ይርከቡዎም።

ኣብ ዙር ሩዋንዳ 2024 ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ዳዊት የማነን ዮኤል ሃብተኣብን’ውን ንጋንታኦም ባይክ ኤይድ ወኪሎም ይወዳደሩ ኣለዉ።

ዙር ሩዋንዳ ኣብ 2019 ብዓለምለኸ ፈደረሽን ቅድድም ብሽክለታ ናይ 2.1 መዕቀኒ ብቕዓት ዝረኸበ ዓቢ ዓለማዊ ውድድር ብሽክለታ’ዩ። እዚ ውድድር ደረጃኡ ዓብዩ ንሓያሎ ክለባት ዓለም ከሳትፍ ካብ ዝጀመረሉ 2019 ኣትሒዙ፡ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ’ዮም ክዕብሉሉዎ ጸኒሖም። ኣብ 2019 መርሃዊ ቅዱስ፣ ኣብ 2020 ከምኡ’ውን 2022 ድማ ናትናኤል ተስፋጽዮን፣ ኣብ 2023 ሄኖክ ምሉእብርሃን ከም ዝተዓውቱሉ ይዝከር። ኣቐዲሙ እቲ ዝለዓለ መዐቀኒ ከይትዋህቦ ኣብ 2010 ንዙር ርዋንዳ ዝተዓወተሉ’ውን ኤርትራዊ ተቐዳዳሚ ዕዉት መድረኽ ዓቐበት ቱር ዲ ፍራንስ (2015) ዝዀነ ዳኒኤል ተኽለሃይማኖት’ዩ።

ሩዋንዳ ሻምፕዮን ውድድር ቅድድም ብሽክለታ ዓለም 2025 ንምንእጋድ ብዓለማዊ ፈደረሽን ብሽክለታ (UCI) ተመሪጻ ኣላ። እዚ ዓቢ ውድድር ኣብ ኣፍሪቃ ክእንገድ ንፈለማ እዋኑ’ዩ ክኸውን።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG