ዋሽንግተን ዲሲ —
ኣባል ባይቶ ኣመሪካ ዝነበረ ጆርጅ ሳንቶስ ብኽሲ ብልሽውና ካብ መዝነቱ ድሕሪ ምእላዩ፡ ሎሚ ሰሉስ ይካየድ ኣብ ዘሎ ምርጫ ናይ “ኒው-ዮርክ ሳልሳይ ወረዳ ምርጫ” ብዝብል ዝጽዋዕ ኣከባቢ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተወልደት ማዚ መለሳ ፊሊፕ ካብቶም ክልተ ተወዳደርቲ ኰይና ኣላ።
ካብ ኣይሁዳውያን ስድራ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተወልደት ማዚ መለሳ ፊሊፕ፡ ኣብ ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል ቅድሚ ሕጂ ዘገልግለት’ያ። ማዚ ኣብ 2021 ኣብ ወረዳ ናሱ ናይ ኒው-ዮርክ ኣባል ቤት ምኽሪ ኰይና ዝተምረጸት’ያ። ኣገልግሎት ዜና ኣሶሸትድ ፕረስ ከም ዘምልክቶ፡ ዋላ’ኳ ማዚ ዓቃባዊ መርገጺ እንተለዋ፡ ኣብ ገለ ወሰንቲ ጉዳያት ከም ምንጻል ጥንሲ ዝኣመሰሉ ግን እቲ ምርጫ ንደቀንስትዮ ክግደፍ’ያ እትምጉት።
ማዚ ኣብዚ ምርጫ እንተ ተዓዊታ ንዶባት ኣመሪካ ኣብ ምሕላው ኣበርቲዓ ክትሰርሕ፣ ንመከላኸሊ ዶብ ዝኸውን ብዙሕ ዝዝርበሉ መንደቕ ኣብ ምስራሕ ክትደፍእ፣ ኣብ መሰል ሕቶ ዑቕባ ዝህሉ ኣገባብ ኣዝዩ ክጸንዕን ከም እትድግፍ ኣብ እዋን ጎስጓስ ምርጫ ተዛሪባ ነይራ።
ኣደ ሸውዓተ ቆልዑ ማዚ ኣብ 1991’ያ ካብቲ ብስርሒት ሰሎሞን ዝጽዋዕ ምውጻእ ኣይሁዳውያን ካብ ኢትዮዕጵያ ናብ እስራኤል ወጺኣን ኣብኡ ተማሂራን።
ቅጥዒ