ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣቢጃን ብሓጐስ ተሰራሲራ፣ ዋንጫ ኣፍሪቃ ኣብ ቤታ ኣትሪፋ


ኣይቮርያውያን ንጽንብል ተዳልዮም’ዮም መጺኦም።
ኣይቮርያውያን ንጽንብል ተዳልዮም’ዮም መጺኦም።

ኣእንጋዲት መበል 34 ዋንጫ ኣፍሪቃ (ዓመተ 2023) ዝዀነት ኣይቨሪኮስት ዋንጫ’ዚ ዓመት ኣትሪፋታ። ምስ ሃገራዊት ጋንታ ናይጀሪያ ዝገጠመት ኣይቨሪኮስት፡ ንዕረፍቲ 1 ብ 0 ተመሪሓ ድሕሪ ምውጻእ፡ ድሕሪ ዕረፍቲ ብዝረኸበትን ክልተ ሸቶታት ኣቢላ፡ ንጸወታ’ውን ዓብሊላ ኣብ ቅድሚ ደገፍታ ዋንጫ ዓቲራ ኣላ።

ኣይቨሪኮስት መኽፈቲ ጸወታ ጽቡቕ እኳ እንተቐንዓ፡ ጸኒሓ ግን ካብ ምድባ’ውን ብዝሓሸት ሳልሰይቲ ተባሂላ’ያ ብሰንከልከል ሓሊፋ።

ንዛዛሚ ውድድር ዘእነገደ ስታድዮም፡ ብስም ፕረዚደንት እታ ሃገር ዝተጸውዐ ስታድዮም ኦሎምፒክ ኣሊሳን ኦታራ፡ መብዛሕትኦም ኣራንሻዊ ማልያ ኣይቨሪኮስት ዝለበሱ ደገፍቲን ካልኦት ዓበይቲ ዕዱማትን ዝተረኽቡሉ’ዩ ነይሩ።

ኣብቲ ካብ መንጎ ብዙሓት፡ ፕረዚደንት ፈደረሽን ኵዕሶ እግሪ ዓለም (ፊፋ) ጂያኒ ኢንፋንቲኖ፡ ከምእ’ውን ኣስልጣኒ ክለብ ኣርሰናል ነበርን ንሓያሎ ኣፍሪቃውያን ማዕጾ ኤውሮጳ ዝኸፈተን ኣርሰን ቬንገርን ካብ መንጎ ዕዱማት’ዮም ነይሮም። ፕረዚደትን ኣይቨሪኮስት ኣላሳን ኦታራ’ውን ተረኺቡ ነይሩ።

ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ውድድር ዋንጫ ኣፍሪቃ፡ ብሕልፊ ኣብ ናይጀሪያ ዓቢ ግምት ተዋሂቡዎ ዝነበረ ናይ ዓመተ-2023 ብሉጽ ተጻዋታይ ኣፍሪቃ ዝተሰየመ ተሰላፊ ጋንታ ናፖሊ ዝዀነ ቪክትሮ ኦሲመን’ዩ ነይሩ። እንተዀነ፡ ነታ ጋንታ ኣብ ወሰንቲ ግጥምታት ሸቶ ብምምዝጋብ ከድሕና ዝጸሐን ናይ ሎሚ ፈሊሙ ነታ ጋንታ መሪሕነት ዘትሓዘን ሓለቓ ሃገራዊት ጋንታ ናይጀሪያ ዊልያም ትሩስ-ኤኮንግ’ዩ። ኤኮንግ ቅድሚ ዕረፍቲ ብርእሱ ብዘመዝገባ ሸቶ፡ ነታ ኣብ ምቍጻጽርን ፈተነን ተበሊጻ ዝነበረት ጋንታኡ ፈላሚ ሸቶ ኣመዝጊቡ።

ድሕሪ ዕረፍቲ፡ ተደጋጋሚ ፈተነ ክትግበር ዝጸንሐት ኣይቨሪኮስት፡ ብተመሳሳሊ ካብ ኵርናዕ ብዝረኸበት ዕድል፡ ፍራንክ ኬሴ ናብ ብርእሱ ናብ ሸቶ ቀዪሩዋ። ስታድዮም ኣሊሳን ኦታራ ብሓደ ማዕበል ተላዒሉ።

ጸኒሑ ሳባስቲያን ሃላር፡ ኣዝየን ሓደገኛታት ፈተነታት ክገብር ድሕሪ ምጽናሕ፡ ተዓጺፋ ንዝመጽኣቶ ኵዕሶ፡ ብተኣምር ካብ መንጎ ተኸላኸልቲ፡ ኣሕሊፉ፡ ምስ ሰኪዐት ጸንቢሩዋ።

ኣይቨርያውያን ብሓጎስ ተሰራሲሮም።

ምድብ ጸወታ ድማ ብዓወት ኣእንጋዲት ሃገር ኣይቨሪኮስት 2 ብ 1 ተዛዚሙ።

ኣይቨሪኮስት፡ ፈለማ ዝነበረ ዓላሚ ተደጋጋሚ ትሑት ውጽኢት ስለ ዘመዝገበ ንዕኡ ኣፋንያ’ያ ብወዲ-ሃገር ኤመርስ ፋየ ተኪኣ ናብዚ ውድድር ገጢማ። ፈለማ ተጻዋታዊ ሃገራዊት ጋንታ ኣይቨሪኮስት ዝነበረ ፋየ እምበኣር ዕዉት ኣሰልጣኒ ኰይኒ ታሪኽ ሰሪሑ ኣሎ።

ኣይቨሪኮስት ኣብ 2015 ዋንጫ ኣፍሪቃ ምዕታራ ይዝከር። ናይጀሪያ ኣብ ዝቐደመ እዋን ንኣይቨሪኮስት ስዒራታ እኳ እንተ ነበረት፡ ኣብዚ ናይ ዋንጫ ግጥም ግን ኣይቀንዓን። ንራብዓይ ዋንጫ ኣፍሪቃ ንምልዓል ዝነበራ ሕልሚ በኒኑ ኣሎ። ኣብዚ ውድድር’ውን ናይጀሪያ ክትዕወትሉ’ያ ዝብል ሰፊሕ ግምታት’ዩ ጸኒሑ። ኣብ ሜዳ ግን ብጸወታ ተዓብሊላ፡ ዋንጫ’ውን ኣምሊጥታ ኣላ።

ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ውድድር ዋንጫ ኣፍሪቃ ተሰላፊ ሃገራዊት ጋንታ ኢኳተሪያል ጊኒ ኤሚሊዮ ንስኡ ሓሙሽተ ሸቶታት ብምቝጻር ወርቃዊ ዋንጫ ተሸሊሙ ኣሎ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG