ዋሽንግተን ዲሲ —
ኣብ ዮርዳኖስ ሰለስተ ወታሃደራታ ዝተቐትሉዋ ኣመሪካ፡ ከም ኣካልቲ’ቲ ግብረ-መልሳዊ መጥቃዕቲ ብዓርቢ ኣብ ሶርያን ዒራቕን ዝርከብ መዋፈሪ ዕጡቓት ኢራን ዝዀኑ ቦታታት ደብዳብ ኣካዪዳ።
በቲ ደብዳብ 85 ዒላማታት ኣብ ሸውዓተ ቦታታት ምህራማ ኣገልግሎት ዜና ኣሶሸትድ ፕረስ ሓቢሩ። እቶም ዝተሃርሙ ዒላማታት መኽዘን ኣጽዋር፡ ማእከል ስለያን ካልኦት ምስ ፍሉይ ኣሃዱ ኢራን ምትእስሳር ኣለዎም ዝተባህሉ ምዃኖም ወታሃደራዊ እዚ ኣመሪካ ይገልጽ።
ፕረዚደንት ጆ ባይደን እቲ መጥቃዕቲ ክቕጽል ምዃኑ ኣመልኪቱ።
ኢራን ኣብ ቅትለት እቶም ሰለስተ ወታሃደራት ኢድ ከም ዘይብላ’ያ እትገልጽ።
በቲ መጥቃዕቲ ዝወረደ ዕንወትን ዝተደልየ ዒላማ ሃሪሙ እንተዀይኑን ዛጊት ኣይተነጸረን።
ኣማኻሪ ጸጥታ ቤተ-መንግስቲ ዝዀነ ጆን ከርቢ፡ “እቲ መጥቃቲ ንሲቪላውያን ዜጋታት ከይሃርም ብጥንቃቐ ዝተገብረ’ዩ፡” ክብል ገሊጹ። በቲ ንኣስታት ፍርቂ ሰዓት ዝተኻየደ ጽዑቕ መጥቃዕቲ ብልክዕ ዝተደልየ ዒላማ ሃሪሙ እንተዀይኑ ግን ኣየብርሀን።
ቅድሚ’ቲ ዓርቢ ምሸት ብኣቆጻጸራ ኣመሪካ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ፡ ኣብ ሰዓታት ቅድሚ ቀትሪ ፕረዚደንት ኢራን ኢብራሂም ራይሲ፡ “ኲናት ኣይንጅምር ኢና፡ ዝዀነ ሓይሊ ክወረና ምስ ዝመጽእ ግን ዓጸፌታ ክንምልስ ኢና፡” ኢሉ ነይሩ።
ቅጥዒ