ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ዋንጫ ኣፍሪቃ ዝተረኽበ ብሊንከን፤ “እቲ ውድድር ድልድል’ዩ”


ብሊንከን ኣብ ኣይቨሪኮስት
ብሊንከን ኣብ ኣይቨሪኮስት

ብዑደት ምዕራብ ኣፍሪቃ ኣቢሉ ሎሚ ኣብ ኣይቨሪኮስት ዝተረኽበ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን፡ ኣብቲ ሎሚ ዝተኣንገደ ውድድር ዋንጫ ኣፍሪቃ ተሳቲፉ ነይሩ።

ብሊከን እቲ ውድድር ኣቓልቦ ብዙሓት ወገናት፡ እንኮላይ ኣመሪካውያን፡ ስሒቡ ከም ዘሎ ብምጥቃስ፡ ኣኣንጋዲት ሃገር ኣይቮሪኮስት ንምድላው ዝገበረቶ ተራ ንኢዱ።

“እዚ ውድድር ንቋንቋ፡ ጂኦግራፊ፡ ፖለቲካን ካልእ ፍልልያትን ዝሰግር’ዩ፡” ድሕሪ ምባል፡ “ኵዕሶ-እግሪ እቲ ዝዓበየ መሕበሪ ስፖርት’ዩ፡” ክብል ገሊጹ ብሊንከን።

“እዚ ውድድር ኣብ መንጎ ሃገራት ከምኡ’ውን ኣመሪካን ኣይቨሪኮስትን ድልድል ኰይኑ ዘራኽብ’ዩ፡” ዝበለ ብሊንከን፡ ኣኣንጋዲት ሃገርን መሪሕነትን ነቲ ስፖርታዊ ውድድር ንምእንጋድ ዝገበሮ ስራሕ ንኢዱ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG